ድለ

ኣብ መላእ ኢራን ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ ኣብ መላእ ኢራን ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ  (AFP or licensors)

ኣብ መላእ ኢራን ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ

ኣብ ኢራን ንስርዓት ናይታ ሃገር ዝቓወም ዝተበገሰ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ጎደናታት ከም ዝሰፈሐ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መላእ ኢራን ዓርቢ ዕለት 9 ጥሪ ምሸት ሓይሊ ጸጥታ ብርቱዕ ስጕምትታት እንተወሰዱን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር መርበባዊ ርክባት ክቋረጽ እውን እንተተገብረ ህዝባዊ ናዕቢ ከም ብሓድሽ ከም እተባረዐን እዚ ዓርቢ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መበል 13 ምዃኑ እንክንገር፡ ኣይኤፍፒ ኣገልግልግሎት ዜና ዝዘርገሖ ናይ ምስማዐ ርእየት ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ተህራን ኣብ ዞባ ሳዳታባድ ተኣኪቦም ከም ዝነበሩ ዜርኢ ኮይኑ፣ ኣብኡ ድማ ሰልፈይናታት ድስቲ ኺወቕዑን ኣንጻር ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ኣሊ ካመኒ ጭርሖታት ከስምዑን ዘርእይ እዩ።

ዓለምለኻዊ ግብረ መልሲ

ኣብ ዋሽንግተን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ኣብ “ዓቢ ሽግር” ከምዘላ ብምግላጽ ንሰበስልጣን “ኣብ ልዕሊ ኣድመይናታት ተኹሲ እንተፈኒኹም መጥቃዕቲ ክንፍነው ክንግደድ ኢና” እንክብል ከም ዘጠንቀቐን፡ ኢራን ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነቲ ሰልፍታት ናብ “ዓመጽ ዝመልኦ ዕንወትን ዓለወይናነት ተግባር” ቀይራቶ ኣላ ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበት ክፍለጥ እንከሎ፡ ቀዳም ዕለት 10 ጥሪ ኣጋ ምሸት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፡ “ኣመሪካ ንጀጋኑ ህዝቢ ኢራን ትድግፍ” ዝብል መልእኽቲ ከም ዝፈነወ እንክንገር፡ ኣብ ኖርወይ ‑ ዝመደበሩ ኢራናዊ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ናዕቢ፡ ትሽዓተ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ብውሕዱ 51 ኣድመይናታት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ብቁጠባዊ ስክፍታታት ዝተደፋፍአ ሰልፍታት ተቓውሞ

እቲ ሕዝባዊ ናዕቢ ዕለት 28 ታሕሳስ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ቴህራን ዝርከቡ ወነንቲ ድኳናት ድሕሪ ካልእ ብርቱዕ ምንቁልቋል ዋጋ ባጤራ እታ ሃገር ኣንጻር ዶላር ኣመሪካ ናብ ጎደናታት ምስ ወጹ፡ ብዙሕ ከይጸንሑ ተማሃሮ መናብርተ ጥበብ ከም እተጸምበርዎን፣ እቲ ናይ ተቓውሞ ሃዋሁ ድማ ናብ ካልኦት ሓያሎ ከተማታት ከም እተዘርገሐ ክፍለጥ እንከሎ፡ ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ናዕቢ ገና ንጹር ኣይኮነን። ኣገልግሎት ኢንተርነት ኣዝዩ ተገዲቡ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ውሱን ተንቀሳቓሲ ስእሊ ጥራይ እዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ፡ መብዛሕትኡ ድማ ብናጻ ኣገልግሎት ሓበሬታ ማዕከናት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ኩነታት ከም ዘሎን ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኬር ስታርመርን ናይ ጀርመን መራሔ መንግስቲ ፍሪድሪክ መርትን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ኢራን ንህዝባ ክትከላኸልን “ብዘይ ፍርሒ ሕነ ምፍዳይ” ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ሰላማዊ ምትእኽኻብን ክተኽብር የተሓሳስቡ።

እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ማዕበል ተቓውሞ፡ ድሕሪ ሞት ማህሳ ኣሚኒ ዝተባህለት ኩርዳዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ሕግታት ሂጃብ ጥሒሳ ተባሂላ ብሓይሊ ጸጥታ ግብረ ገባዊ ድሕሪ ምእሳራ ኣብ ማእሰርቲ ዝሞተት ምኽንያት ተኻይዱ ካብ ዝነበረ ናይ 2022 ዓ.ም. ህዝባዊ ናዕቢ ኣዚዩ ዝሰፈሐ ምዃኑ እንክንገር፡ ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ልዕሊ 550 ሰባት ከምዝሞቱን 20 ሽሕ ድማ ከምዝተኣሰሩን ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘፍለጡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 Jan 2026, 17:07