ድለ

2026.01.15 ኣቦ መንበር ዓለምለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ ውድብ፡ ሕርሻ መሳርሒ ሰላምን ተስፋን ክኸውን ይኽእል እዩ 2026.01.15 ኣቦ መንበር ዓለምለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ ውድብ፡ ሕርሻ መሳርሒ ሰላምን ተስፋን ክኸውን ይኽእል እዩ  (@VATICAN MEDIA)

ኣቦ መንበር ዓለምለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ ውድብ፡ ሕርሻ መሳርሒ ሰላምን ተስፋን ክኸውን ይኽእል እዩ

ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ ውድብ ዶክተር ኣልቫሮ ላሪዮ ዕለት 15 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዘሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ገጠር ማሕበረሰባት ንገዛእ ማሕበረሰቦምን ንሰፊሕ ዓለምን ምንጪ መግቢ ስለዝኾኑ ኣብ ናይ ገጠር ቍጠባ ወፍሪ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ 2.5 ክሳብ 2.6 ቢልዮን ሰባት - ኣስታት ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለም - መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻ ከም ዝምርኮስ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ መረዳእታ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት - FAO ይሕብር። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ሓያሎ ብድሆታት፡ ከም ግጭት፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ሕጽረት ጸጋታትን፡ ብዙሓት ምስ ዘይውሕስነት ማለት ምስ ሕጽረት መግቢ ይቃለሱ።

ሓደ ትካል ናብቲ ብድሕሪ ቁጽሪ ዘሎ ውጅህታት ይጥምት፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሕጻን ንመዓልቲ ዝኣክል መግቢ ንምርካብ ዝቃለስ ወይ ድማ እቲ ኣብ ባንግላድሽ ዘሎ መንእሰይን ኣብ ቅልውላው ስራሕ ዝደሊ።

ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ሕርሻ ልምዓት (IFAD) ኣብ 92 ሃገራት ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ሓውሲ ከተማታት ናይ ምዕባለ፡ ውሕስነት መግብን ጽንዓትን ዘስጉሙ ውጥናትን ተበግሶታትን ንምትግባር ይሰርሕ።

ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ሕርሻ ልምዓት (IFAD) ካብ ካልኦት ልምዓታዊ ትካላት ዝፈልዮ ነገር እንተሃልዩ ዓበይቲ ወፍሪታት ብምክያድን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ መንግስታት፣ ማሕበረሰባትን ናይ ብሕቲ ትካላትን ንውጥናት ብሓባር ዝምውልን። እዚ ናይ ሓባር ምወላ ኩሎም መሻርኽቲ ዋንነትን ሓላፍነትን ንኽወስዱ ዝሕግዝ ምዃኑ እዩ።

ወፍሪ

ዕዮ ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD “ኣብ ነባሮ ሓውሲ ከተማ ወፍሪ” ቀዳምነት ዝህብ እዩ። እዚ ግን ካብ እኹል መግቢ ምፍራይ ጥራይ ዝብል ዓይነት ኣመለኻኽታ ዝሓልፍ ሕቶ እዩ። ከምቲ ኣቦ መንበር ናይቲ ትካል ዶክተር ኣልቫሮ ላሪዮ ዝገልጾ፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር "እዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም ልቓሕ መድሕን ማይ ልሙዕ ሓመድን ዘርእን ምእንቲ ኽረኽቡ ኣገባባት እደ ጥበብ፡ መኽዘን መሳለጥያታት ከምኡውን ዕዳጋታት ከም ዝረኽቡ ምግባር ኢዩ።"

ሕርሻ ምፍራይ ጥራይ ዘይኮነስ ንግዲ ምዃኑ ምርግጋጽ የድሊ። እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ኣብ ማሕበረሰብ ሓውሲ ከተማታት ንዝርከቡ ሰባት ዘላቕን እወታውን መጻኢ ምህናጽ እዩ - ንሓደ መዓልቲ ጥራይ ዘይኮነስ ዘላቒ ገዛእ ርእሳ ብመግቢ እትኽእል ኣብ ምዃን ምጥማት።

ንዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD፡ እዚ ማለት ድማ ብቐዳምነት ወፍሪ ምግባር ማለት እዩ፡ ማለት ኣብቶም ንኣሽቱ ሓረስቶትን ነባሮ ሓውሲ ከተማን። መግቢ ዘፍርዩ ንሳቶም እያቶም። "እቲ መግቢ ንምዕቡላት ቁጠባታት ወይ ንከተማታት ኣብ ምቕባል" ጥራይ ኣይኮነን ክተኩር ዘለዎ ስለዚ “ናይ ኣረኣእያ ለውጢ” ዘጠቓልል እዩ።

ቀዳምነትን ወፍርን ነቶም ነቲ መግቢ ዘፍርዩን ነቲ መሬት ዝከናኸኑን ሰባት ይወሃብ። ብዘይ እዚ ደገፍ እዚ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መብዛሕትኡ ግዜ እኹል መግቢ ንምፍራይ ይትረፍዶ ንገዛእ ርእሶም ንምምእራር ይቃለሱ እዮም። “መብዛሕትኡ እቲ ድኽነት - ሕዱር ድኽነት - 80% ኣብ ሓውሲ ከተማታት እዩ ዘሎ።  ኣብ ምዕቡል ቍጠባ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓውሲ ከተማታት ትሑት ወፍሪ ከም ዝግበረሎም ንፈልጥ ኢና። ኣብ ካልእ ዓውዲ እዩ ትዅረት ዝግበር። ግን፡ ሕርሻ፡ ከም ሓደ ዓይነት ቁጠባዊ ምህርቲ ነዞም ገጠራት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  “ከም እንፈልጦ ብሓቂ ሕርሻ ካብ ካልኦት መዳያት ኣብ ቁጠባዊ ዕብየት ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዕጽፊ ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ማሕበረሰባትን ሃገራትን ሕጂ’ውን ኣዝዮም ኣብ ሕርሻ እዮም ዝምርኮሱ።” ስለዚ ድማ እዩ ምስ ሰፊሕ ዞባውን ኣህጉራውን ዕዳጋታት ብቐሊሉ ንኽራኸቡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቀረብ ሰንሰለታት ክቐውሙ ከምዘለዎም ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኸውን።

መጋበርያ ሰላም

ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ሕጽረት ምወላ ንምምካት፡ ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD ንጠለባት ህዝቢ ዝምልከት መደባትን ተበግሶታትን የተግብር። ንኣብነት ኣብ ሱዳን - ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተጋህደሉ- እቲ ትካል ንኣናእሽቱ ሓረስቶት ውሕስነት መግቢ ንምምሕያሽ፣ ኣታዊታት ንምዕባይን ዓቕሚ ተጻዋርነትን ንምህናጽን ዝዓለመ ውጥን ኣበጊሱ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኣባላትን ሚኒስተራትን ሃገራት ብምርኻብ ህሉው ኩነታት ብኸመይ ክመሓየሽ ከምዝኽእል ይገልጽ። መግቢ ኣብ ምፍራይን ምቕራብን ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ካልእ ኣገዳሲ መዳይ ግን ሰባት ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ዝገብሩሉ ቦታ ምፍጣር ምዃኑ ይሕብር፡ “ኣብኡ ድማ ዕዮኦም ዝቕጽልሉ፡ ዘፍርዩሉን መግቢ ዝረኽብሉን።

ኣብ ከም በዓል ሱዳን ዝኣመሰላ ዓመጽን ግጭትን ዝካየደልን ሓገዝ ንምቕራብ ኣጸጋሚ ዝኾነለን ሃገራት ብምዝኻር፡ ኣብ መንጎ ግጭትን ውሕስነት መግብን ዘሎ ምትእስሳር ኣመልኪቱ። ግጭት "ብንጹር መንቀሊ ጥሜት፡ መንቀሊ ድኽነት" ምዃኑ ተስተብህል።

ይኹን እምበር ኣረኣእያ ምስ ዚቕየርን ብዛዕባ ዓለም ዝያዳ ሰባት ዘተኰረ ኣረኣእያ ምስ ዚህልዎምን ሕርሻ መሳርሒ ሰላም ኪኸውን ይኽእል እዩ። "ንዓና ሕርሻ ሓደ ካብቲ ንማሕበረሰብ ሓድነት ዘምጽኣሉ መገዲ እዩ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ከኣ ሰላም ንምምጻእ ግን ከኣ ተስፋ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ፖለቲካዊ መገድታት ኪሓድግ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝኣመሰሉ ድምጽታት ነቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኩነታት ኣቓልቦ ንምስሓብ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ፍሉይ ምትእስሳር ምስ ር.ሊ.ጳ

ዕለት 15 ጥሪ ንግሆ ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD ዶክተር ኣልቫሮ ላሪዮ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም። ዶክተር ላርዮን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ብዛዕባ ምምሕያሽን ምልዋጥን ህይወትን ኣገዳስነት ንሰባት ተስፋ ምምጻእን ከምዝተዛረቡ ሓቢሩ፡ "እቲ መዳይ ተስፋ ብፍላይ ኣገዳሲ እዩ ምኽንያቱ ንኹላትና ብሃንቀውታ እንጽበዮ ነገር ስለ ዝህበና - ቢሉ - ኣብቲ ናይ ንግሆ ኣኼባኦም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ጳጳስ ኮይኖም ዝሰርሑሉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ማሕበረሰባት ፔሩ ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕ ኣማእኪሎም እውን ከም እተመያየጡን ቅዱስ ኣቦና ነቲ ብዙሓት ማሕበረሰባት ሓውሲ ከተማታት ዘጋጥሞም ብድሆ ኣመልኪቶም “ፍልዩ መግቢ የፍርዩ እኳ እንተ ነበሩ ድሕሪኡ ግን ዓስቢ ኣይዓጽዱን" ዝበልዎም ድማ ጠቒሶም፡ እዚ ቐንዲ ኽፍሊ እዩ። ይኹን እምበር በቲ ዓለምለኻዊ መዋሊ ውድብ ልምዓት ሕርሻ - IFAD ኣብ ባይታ ዝካየድ ተበግሶታትን መርሓ ፍጻሜታትን እዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም ንገዛእ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ኣብኡ ዝምርኰሱ ማሕበረሰባት ኣድላይነታት ንምምላእ ዘድሊ ናውትን ተኽእሎን ሃብትን ክህልዎም ተስፋ እገብር” እንክብል ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ መዋሊ ልምዓት ሕርሻ ዶክተር ላሪዮ ኣብ ቃለ መሕትት ዜና ቫቲካን
16 Jan 2026, 15:55