መዓልቲ ዝኽሪ ሾዋ፡ ሓላፊ ቤተ መዘክር ኦውሽዊትዝ፡ ዝኽሪ ይሃስስ ኣሎ እንክብል የጠንቅቕ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ፒዮትር ሲዊንስኪ ሓላፊ ቤተ መዘክር ግዝኣት ኦሽዊትዝ - ቢርከናው ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት "ድሕሪ ውግእ ዓለም ዝተሃንጸ ዓለም ይፈርስ ኣሎ። ዓሚቕ ለውጢ ንባህልን መንፈሳውነትን ጥራይ ዘይኮነስ ንፖለቲካን ኣህጉራዊ ሕግን እውን ይጸልዎ ኣሎ። ካብቲ ዝሓሰብናዮ ኣዝዩ ዝያዳ ዝኽሪ ኣብ ዘድልየና እዋን ኢና እንነብር ዘለና ዝብል እምነት ኣለኒ” ይብል።
ፒዮትር ሲዊንስኪ ሓላፊ ቤተ መዘክር ግዝኣት ኦሽዊትዝ - ቢርከናው ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ሾዋ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቶም ካብ መዳጎን ስፈርን መጽነትን መዓስክራት ዝደሓኑ "ነቲ ከመሓላልፍዎ ዝኸኣሉን ክንርድኦ ንኽእል ኢና ኢሎም ዝኣምኑሉን ነገራት ከም ዘመሓላለፉ" ኣጕሊሑ፡ ስለዚ "ናይ ሎሚ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ድማ ናይ ጽባሕ ዓለም ካብ ተመክሮ ደቂ ሰብ ንመጻኢ ሳዕቤን ክረክብ ዝኽእል ማሕበረሰብ ዘድልይ ኮይኑ ይስምዓኒ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ተመክሮ እዚ ሕጂ ዚሓልፍ ዘሎ ወለዶ ብእተኻእለ መጠን ንነዊሕ እዋን ኪቕጽል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዚኸውን።”
ዕለት 27 ጥሪ መዓልቲ ዝኽሪ ሾዋ ኣብ 2005 ብውሳነ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት - ሾዋ ከም ዝኾነን ዕለት 27 ጥሪ 1945 ናይ ናዚ መዳጐኒን መጽነትን ማዓስክር ኦሽዊትዝ -ቢርከናው ብወተሃደራት ክፍለ ሰራዊት መበል 60 ኣጋር ቀይሕ ሰራዊት ስርሒት ሓራ ምስ ዝኾነሉ ዕለት ብምትሕሓዝ እውን ከም ዝኾነን ዕላማ ናይቲ መዓልቲ ዝኽሪ ድማ ነቶም ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ብናዚ ጀርመን እተቐትሉ ግዳያት ኣይሁድ ንምዝካርን ከምኡ ዝኣመሰለ መዓት ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ፈጺሙ ከይድገም ዝብል መብጽዓ ንምትሕልላፍን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።