ድለ

ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ቀታሊ ውሕጅ ንኽገድድ ምኽንያት እዩ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ቀታሊ ውሕጅ ንኽገድድ ምኽንያት እዩ 

ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ቀታሊ ውሕጅ ንኽገድድ ምኽንያት እዩ

ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝመጹ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ለውጢ ኵነታት ኣየር እቲ ኣብ ቐረባ እዋን ዘጋጠመ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ዘሕድሮ ጽልዋ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ቀረባ እዋን ንገለ ክፋል ደቡባዊ ኣፍሪቃ ዘዕኑ ዘሎ ሰፊሕ ምዕልቕላቕ ማይ ሰብ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዘውርዶ መጉዳእትን ዝስዕቦ ዓይነት ኣነባብራ ከም ዝገደደ ሓድሽ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ጠንቂ ናይዞም ፍጻመታት ኣብ ዝምርምሩሉ እዋን፡ ተመራመርቲ ዓለምለኻዊ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ኤስዋቲኒ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ጥራይ ኣብ ሓደ ዓመት ዝወቅዕ ዝናም ከም ዘጋጠመን፡ እቲ ውሕጅ ውጽኢት ናይቲ ዕለት 26 ታሕሳስ ዝጀመረን ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ዝሓየለን ኣዝዩ ብርቱዕን ዘይቋርጽን ዝናብ ኮይኑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 200 ሚ.ሜ ዝናብ ከምዝዘነበ ይፍለጥ።

ኣብ ኣባይትን ትሕተ-ቅርጽን ሰፊሕ ጉድኣት ከምዝበጽሐን፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 300 ሽሕ ድማ ካብ መረበቶም ክወጹ ከም እተገዱን፡ ኣብ ሞዛምቢክ፡ ብርክት ዝበሉ ህንጻታት ብማይ ከም ዘዕለቕለቐን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን ጽርግያታትን ድልድላትን ከም ዘዕነወን ክሕበር እንከሎ፡ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝመጹ ተመራመርቲ ስነ - ፍልጠት ኵነታት ኣየር፡ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ልዕሊ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ዘለዎ ጽልዋ ንምግምጋም መጽናዕቲ ከም ዘካየዱ ይሕበር።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ 50 ዓመት ጥራይ ዜጋጥም ፍጻመ

ብመሰረት ርኽበታቶም  እቶም ተመራመርቲ እቲ ዝረኣ ዘሎ ኩነታት ኣየር ኣዝዩ ሳሕቲ ዘጋጥም ኮይኑ ኣብ 50 ዓመት ዘጋጥም ፍጻሜ እውን ምዃኑ እንሕብሩ፡ እቲ መጽናዕቲ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ነቲ ዳሕረዋይ ዘጋጠመ ውሕጅ ክሳብ ክንደይ ከም ዘጋደዶ ርጉጽ ኮይንካ ክትዛረብ እውን ዘይከኣል እንተኾነ፡ እቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከባቢያዊ ኣየር ዘቕረብዎ መጽናዕቲ፡ ብኣነባብራ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝመጽእ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ንጽዓት ዝናብ ብ40% ንኽውስኽ ከም ዝገብር እንኮ ኣእማኒ መግለጺ የቕርቡ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ጽዑቕ እዋን ብዙሕ ዝናብ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ሰፊሕ ውሕጅ ኣስዒቡ፡ ማሕበረሰባት እቲ ከባቢ ንኵለ መዳያዊ መጉዳእቲ ከም ዘቃለዐን፡ ኣብዚ ዞባ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ልሙድ እኳ እንተኾነ፡ ዕቤት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት ግን ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ከባቢያዊ ኣየር ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ብተወሳኺ ብሞዛምቢክ ኣቢሎም ዝውሕዙ ትሽዓተ ኣህጉራውያን ሩባታት ምህላዎም ነቲ ኣብ ታሕተዋይ ከባቢታት ዝነበረ ቅልውላው ከም ዘዕሞቖን፡ ጽልዋ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ መላእ ዞባታት ኣፍሪቃ ብዝበለጸ ንምርዳእ፡ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ቀጥዕታት ከባቢ ኣየር ምምዕባል ከምዘድሊ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዘቕረብዎ መጽናዕቲ ብኣጽንዖት የመላኽቱ።

30 Jan 2026, 16:05