ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕ.ሃ.፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ህጻናት ተቐቲሎም ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕ.ሃ.፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ህጻናት ተቐቲሎም   (AFP or licensors)

ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕ.ሃ.፡ ድሕሪ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ህጻናት ተቐቲሎም

ትካል ሓልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ህጻናት ከምዝተቐትሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ወሃቢ ቃል ጄምስ ኤልደር ዕለት 13 ጥሪ ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝግበር ግዜ ኣትሒዙ ኣብ ቓዛ እንተ ወሓደ 100 ቈልዑ ከም እተቐትሉ ኣመልኪቱ፡ እዚ ቝጽሪ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ዳርጋ ሓደ ቘልዓ ኸም ዚቕተል ብኣማኢት ዝቝጸሩ ድማ ከም ዝቘሰሉ ዘረጋግጽ እዩ። ካብ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንነጀው ቦምባታትን ተዅስን እናነከየ እኳ እንተኸደ፡ ኣብ ቓዛ እንተ ወሓደ 60 ኣወዳትን 40 ኣዋልድን ከም እተቐትሉ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ጸብጻብ ከም ዘለዎ ብምርግጋጽ፡ እዚ ኣሃዛት እዚ እኹል ሓበሬታ ዘለዎ ጕዳያት ጥራይ ዝምልከት እውን ምዃኑ ሓቢሩ፡ ኣብ ልዕሊ መደባት ኣገደስቲ ቀረብ ምእታው ናብ ቓዛ ብዝግበር ከቢድ እገዳታት እቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ፡ ሕጽረት ኣብ እተፈላለየ ኣገደስቲ ንዋት እንኮላይ ኣብ ሕክምናዊ ናውቲ ነዳዲ ከምኡውን ንስርዓት ማይን ጽሬትን ንምዕቃብ ዘድሊ ተዋጽኦታት ይቕጽል ምህላዉ የጠንቅቕ።

ሕጽረት ሰብኣዊ ረድኤት

ኣብዚ ኵነታት እዚ፡ መዋሊ ውድብ ንጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ምጉዳል ዓመጻ ናብ ናይ ሓቂ ድሕንነት ብህጹጽ ክቕየር ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ እዚ ድማ "ምሉእ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ምኽፋት፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዓቢኡ ምውሳኽ፡ ከምኡ'ውን ቅትለት ህጻናት ኣብ ቓዛ ብሓቂ ዝዛዘመሉ እዋን ክኸውን ምርግጋጽ" የድሊ - ቢሉ - እዚ ኩነታት እናሃለወ ግን እቲ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ሓያሎ መዳያት ውሱን ግን ከኣ ዝጭበጥ ምዕባለ ክኡል ከም ዝገበረ እቲ ትካል ብምምልካት፡ ኣብ ጽላት ጥዕና፡ መዋሊ ውድብ ንጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን፡ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ቓዛ፡ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ሓገዝ ዝጸንሐ፡ ክታበት ሓዊሱ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣስፊሖም ከም ዘለዉን፡ ብተወሳኺ፡ ጻዕርታት ጽሬት እውን ከም ዝወሰኸን፡ መዋሊ ውድብ ንጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኩሉ እቲ ዘሎ ኣገባባት ተጠቒሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 1000 ቶን ጎሓፍ ንምእላይ ይሰርሕ ምህላዉ ጄምስ ኤልደር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ይሕብር።

ውሁድ ኵለንተናዊ ሓገዝ

ኣብዚ ቀረባ እዋን በቲ ዘሎ ቑርን ዝናምን ኩነታት ኣየር ምኽንያት መዋሊ ውድብ ንጉዳይ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ካብ ቍሪ መከላኸልን ኮቦርታን ንህጻናት ዝኸውን ኣማኢት ኣሽሓት ናይ ክረምቲ ክዳውንትን ከም ዝዓደለን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ምጽጋን ሻምብቆታት ማይ፡ መደበራት መዕደሊ ማይን መርበብ ምስደዲ ርስሓት ኣበርክቶ ከም ዝገበረን፡ ኣብ መዳይ ኣመጋግባ፡ እቲ ትካል ኣብ መላእ ቓዛ ልዕሊ 70 ተወሳኺ ትካላት ኣመጋግባ ብምቛም፡ ጥሜት ኣብ ምክልኻል ይሕግዝ ከም ዘሎ ናይ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNICEF) ወሃቢ ቃል ጄምስ ኤልደር ገሊጹ፡ ይኹን እምበር፡ እዚ ሓገዝ እዚ ድሕሪ ነዊሕ ውግእ እቲ ህዝቢ ቓዛ ዘጋጠሞ ዘሎ ኵለ መዳያዊ መጉዳእቲ ምሉእ ብምሉእ ንምድራት ውሑድ እዩ እንክብል ኣስሚሩ፡ ህጻናት ብፍርሒ ምንባር ይቕጽሉ ከም ዘለዉን፡ ስነ - ኣእምሮኣዊ ስንባደኦም ብዓቢኡ ገና ከም ዘይተፍፈወሰ ኣረጋጊጹ፡ "ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዝፍጸም ደብዳብ እቲ ዝተበጽሐ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ከይቕጽል ኣብ ምግባር ዓቢ ኣበርክቶ እዩ - ቢሉ - እንተኾነ ግን "ህጻናት ዘጋጥሞም ዘሎ ሞት እንተድኣ ቀጺሉ እቲ ስምምዕ እኹል ኣይክኸውንን እዩ” ይብል።

14 Jan 2026, 14:19