ድለ

ሞዛምቢክ፡ ህጻናት ብሰንኪ ኣዕናዊ ውሕጅ ኣብ ከቢድ ኵነታት ህይወት ይርከቡ ሞዛምቢክ፡ ህጻናት ብሰንኪ ኣዕናዊ ውሕጅ ኣብ ከቢድ ኵነታት ህይወት ይርከቡ 

ሞዛምቢክ፡ ህጻናት ብሰንኪ ኣዕናዊ ውሕጅ ኣብ ከቢድ ኵነታት ህይወት ይርከቡ

ኣብ መላእ ሃገረ ሞዛምቢክ ብሰንኪ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ሰብኣዊ ህጹጽ ኵነታት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ትካል ሓልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፡ ቈልዑ ዝያዳ ኸም እተጐድኡን ብፍላይ ብማይ ዚመሓላለፍ ሕማማትን ጕድለት ኣመጋግባን ንከቢድ ሓደጋ ተቓሊዖም ኣለዉ ኣንክብል የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ዝጀመረን ኣብ መላእ ሃገረ ሞዛምቢክ ዝተዘርግሐን ብርቱዕ ዝናም ብዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይን ብርቱዕ ውሕጅን ንሕጻናት እታ ሃገር ከቢድ ጾር ከይኑ ከም ዘሎ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት UNICEF ዝተረኽበ ዳሕረዋይ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ጉዳያት ርክብ ጋይ ተይለር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፍት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከም ጽሩይ ማይ ክንክን ጥዕና ኣመጋግባን ትምህርትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምርካብ ኣብ መብዛሕትኡ እተጸልወ ክባቢታት ምርግጋጽ ዘይከኣል ይኸውን ኣሎ” እንክብል ኣጠንቂቝ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ቈልዑ ብፍላይ ንኣዋልድን መንእሰያትን ንሕማምን ትምህርቲ ንምቍራጽን ከምኡውን ናይ ምክልኻል ዕማምን ንብርቱዕ ሓደጋ የቃልዕ ኣሎ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን መግለጺ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።

ብፍላይ ተይለር ጉዳያት ርክብ ሓላፊ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሞዛምቢክ ብማይ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሕጽረት መግቢን "ቀታሊ ሓደጋ" ምዃኑ ኣጽኒዑ ብምሕባር "ቅድሚ'ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ውሕጅ'ውን እንተኾነ፡ ዳርጋ ካብ ዓሰርተ ህጻናት ኣብ ሞዛምቢክ እቶም ኣርባዕተ ሕዱር ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከም ዝነበረን፡ ሕጂ ኣብ ቀረብ መግቢ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣሰራርሓ ክንክንን ዝረአ ዘሎ ዳግማይ ምዝንባዕ፡ ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ንሓደገይና ኵነታት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ፡ እዚ ድማ እቲ ዝቐትል ሓደጋታት ሕዱርን ከቢድን ሕጽረት መግቢ ሓዊሱ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

በቲ ጽዑቕ ውሕጅ ዳርጋ 600 ሽሕ ከም እተሃሰዩ ይንገር

እቲ ሰብኣዊ ቅልውላው እናዓሞቐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ህጹጽ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ሕጂ ብውሕዱ 594 ሽሕ ሰባት ኣብ መላእ ዞባ ጋዛ፡ ማፑቶን ሶፋላን ብውሕጅ ከምዝተሃስዩ ይሕብር። ፍሉይ ዝኾነ ብርቱዕ ዝናብ ንማሕበረሰባት ንሓደጋ ምዕልቕላቕ ማይ የቃልዕ ከም ዘሎን፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ዝተጠቕዑ ህጻናት ምዃኖም እቲ ትካል ከም ዘረጋገጸ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፡ ኣስታት 370 ሽሕ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተመዛበሉ ግምት ምህላዉ ብምምልካት፡ ካብዚኦም ልዕሊ 60 ሽሕ ኣብ ወግዓዊ  መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣስታት 310 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ ኣአንገድቲ ኣባይቲ ስድራ መዕቆቢ ከም ዝረኸቡ የመላኽት።

ህጹጽ ምላሽ ዝህቡ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገም

ወቕቲ ዝናብ እናቀጸለ ኣብ ዝኸደሎ ዘሎ እዋን ኣብታ ሃገር ጃምላዊ ዕንወት ከስዕብ ይኽእል ዝብል ስግኣት ከም ዘሎን፡ ልዕሊ 72,000 ኣባይቲ ብማይ ከም ዘዕለቕለቐን፣ ልዕሊ 1,600 ኣባይቲ ድማ ንኸፊል ወይ ንምሉእ ዕንወት ከም ዘቃለዐን፡ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ብዘይ ውሑስ መዕቆቢ ክተርፉ ከም ዝገበረን፡ ኣብ ጽርግያታት፡ ድልድላትን መሰረታዊ ትሕተ ቅርጽን ዝበጽሕ ጉድኣት፡ ሰብኣዊ ሓገዝን ኣድሕን ህይወት ዘቕርቡ ሰባትን ትካላትን ንዘሳልጥዎ ተበጻሕነት ኣዝዩ ዝድርት ከም ዝኾነን፡ እቲ ኩነታት ሕጂ’ውን እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ ቁጽር ናይ ዝጉዳእ ዘሎ ህዝቢ ኣዚዩ ክብ ዘብሎ ከም ዝኸውን የጠንቅቕ እንክብል ዜና ቫቲካን ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወኪሱ ይሕብር።

ንህጻናት ንምድሓን ዝሕግዝ ጻዕሪ

"ኣብ እዋኑ ዝግበር ደገፍ፡ ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቱን ቅድሚ ኩነታት ዝያዳ ዝኸፈአ ከይኮነ ኣገልግሎት ውሑስ ማይ፡ ኣመጋግባ፡ ጥዕና፡ ትምህርትን ሓለዋ ህጻናትን ከዕብዩ የኽእሎም። ሕማም፡ ሞትን ዘይምለስ ክሳራን ኣብ ልዕሊ ዓሰርተታት ህጻናት ክንከላኸል ንኽእል ኢና። እዚ ግን ቅልጡፍ ስጉምቲ እንተተወሲዱ እዩ - ቢሉ - ሞዛምቢክ፡ ልዕሊ 17 ሚልዮን ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም፡ ማእከላይ ዕድመ ድማ 17 ዓመት ጥራይ ዝኾነላ ሃገር ምዃና ብምዝኽካር፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብተደጋጋሚ ዝረአ ውሕጅ ክመጽእ እንከሎ፡ ኣብተን ቀዳሞት መዓልታት ህጹጽ ኩነታትን ኣብተን ዝስዕባ ኣዋርሕን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ዓመታትን እቶም ብዕድመ ዝነኣሱ ዝያዳ ዝህሰዩ ምዃኖም ብምምልካት፡ በዚ ድማ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ናይ ትካል ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳያት ርክብ ሓላፊ ታይለር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓገዝን ምትሕብባርን ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ “ንህጻናት ሞዛምቢክ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ዝፍጸም ሓገዝ፡ ክንደይ ካብዚ ህጹጽ ኩነታት ከም ዝድሕኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክንደይ ክሓውዩ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱን መጻኢኦም ዳግማይ ክሃንጹን ከም ዝኽእሉ ዝውስን እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Jan 2026, 14:21