ድለ

ሰብኣዊ ስክፍታታት ህልው ኣብ ዝኾነላ ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዓይን ኣል ዓረብ ከም ዝበጽሐ ይሕበር ሰብኣዊ ስክፍታታት ህልው ኣብ ዝኾነላ ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዓይን ኣል ዓረብ ከም ዝበጽሐ ይሕበር 

ሰብኣዊ ስክፍታታት ህልው ኣብ ዝኾነላ ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዓይን ኣል ዓረብ ከም ዝበጽሐ ይሕበር

ኣብ መንጎ ሰራዊት ሶርያን ብኩርዳውያን ዝምራሕ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ሶርያን ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ሓገዝ ዝጸዓና ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጽዕነት ማካይን ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ብብዝሒ ኩርዳውያን ዝነብሩላ ከተማ ኣይን ኣል ዓረብ ከም ዝበጸሐ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እተን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 25 ጥሪ ናብቲ ብኮባነ ዝፍለጥ ዓይን ኣል-ዓረብ ከም ዝኣተዋን፡ ኣብታ ብሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ተኸቢባ ዝጸንሐት ከተማ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝምልከት ስክፍታ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ክንገር እንከሎ፡ ብተናጸል፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብ መዓስከር ኣል ሆል ሶርያ ውሱን መእተዊ ዳግማይ ረኺበን፡ ብሰንኪ ዘይርጉእ ኩነታት ጸጥታ ድሕሪ ናይ መዓልታት ምዝንባዕ፡ ኣገደስቲ ቀረብ ዳግማይ ምብጻሕ ጀሚረን ከም ዘለዋ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ትካል ሓልዮ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ዕለት 23 ጥሪ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ሶርያ ናብቲ መዓስከር ብምእታው ምስ ገለ ነበርቲ ርክብ ከም ዘካየደን ኣገደስቲ ቀረብ እውን ዳግማይ ከም እተበገሰ የረጋግጽ።

ኣል ሆል ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ዝዓበያ ናይ ነበርቲ ምምዝባል ዘጋጠማ ከተማ ከም ዝኾነትን፣ መብዛሕትኦም ደቂ ኣስንትዮን ቈልዑን ዚነብሩላ መብዛሕቲኦም ተቐማጦ ከኣ ምስ ተዋጋእቲ ኣሸበርቲ ሓይልታት እስላማዊ መንግስቲ - ዳዒሽ ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱላ ከም ዝኾነትን ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ብዛዕባ ሕጽረት ክንክን ጥዕና ጽሩይ ማይን ከምኡውን ቀጻሊ ናይ ዕቝባን ድሕንነትን ሓደጋታት ምህላዉ ከጠንቅቓ ከም ዝጸንሓን፡ ብተደጋጋሚ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሰማማዕ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልትን፡ ዳግመ ውህደትን ሓዊሱ ነባሪ ፍታሕ ክህሉ ከም እተማሕጸኑን፡

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሶርያውያንን ኣባላት ስድራቤት ተዋጋእቲ ነበር ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ዘአንግድ ኮይኑ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን መሻርኽቲ ሰብኣዊ ረድኤትን ንሰበስልጣን ሶርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ንምድጋፍ ዘለዎም ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ኣልሓሳከን ቃሚሽሊን ምንቅስቓስ ሰራሕተይናታትን ቀረብን ምምችቻእ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰባ ዜና ቫቲካን መግለጺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ ይሕብር።

27 Jan 2026, 16:12