ድለ

ግጭት ሱዳን፡ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ግጭት ሱዳን፡ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው 

ግጭት ሱዳን፡ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው

እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይ ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ዝጽዋኦ ትካል ረድኤት ኣብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ዝረአ ዘሎ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣቓልቦ ብምግባር ማሕበረሰብ ዓለም “ኣብ ሱዳን ተወሳኺ ዕንወት ከይፍጠር ሕጂ ስጉምቲ ክወስድ” ጻውዒት ከስም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሎሚ ሱዳን – ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠማ ከም ዝኾነትን፡ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዝተባርዐ ግጭት ሽሕ ማዕልታት የቑጽር ከም ዘሎን፡ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 33.7 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ከም ዝኾነ የመላኽት።

ናይ ዓመታት ቅልውላው

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ፡ ኣስታት 70 - 80% ኣባይቲ ሕክምናን ትካላት ክንክን ጥዕናን ካብ ስራሕ ወጻኢ ስለ ዝገበረ፡ ኣስታት 65% ህዝቢ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወጻኢ ከም ዝገበረ ዝሓበረ መግለጺ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣስዒቡ፡ ዳርጋ 21.2 ሚልዮን ሰባት ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ልዑል ደረጃ ሕዱር ዘይውሕስነት መግቢ ይቃለስ ከም ዘሎን - እዚ ድማ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ቅልውላዋት መግቢ ዓለም እዩ ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቶም ኣብ 2023 እቲ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተመዛበሉ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕን ውሑስ ዘይኮነን መዕቆቢታትን ሰፈራታትን፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ዝበዝሓሉ ቦታታት፡ ይነብሩ ኣለዎ ከም ዝበለ ኣፍሊጡ።

ኣሊስተር ዳተን ዋና ጸሓፊ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ “ኣብ ሱዳን ዝረአ ዘሎ ግጭት ጭካነን ኢሰብኣውነትን ዘስካሕክሕ ብምዃኑ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ውሽጢ ንኻልኣይ ግዜ ብርቱዕ ጥምየት ከም ዘሎ ብዕሊ ከም እተኣወጀን፡ ብጀካ እቲ ዘሎ ግጭት ናይ ወጻኢ ሓገዝ ብኸቢድ ስለዝተቛረጸ፡ ኣብ ሱዳን ንዝተጸገሙ ሰባት ክበጽሕ ዝኽእል መጠንን ተበጻሕነትን ሰብኣዊ ሓገዛት ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎ ኣመላኺቱ፡ እዚ ዘየቋርጽ ግጭት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ክብ የብል ምህላዉን። ካብ ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ጠለብ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ ብ288% ክብ ከም ዝበለ ገሊጹ፡ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሕክምናዊ ክንክንን ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍን ኣዝዩ የድልዮም ኣሎ። ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ መደባት ንደቂ ኣንስትዮ እኳ እንተሃለወ፡ እዞም ተበግሶታት እዚኣቶም በቲ “ትሕቲ 2% ካብቲ ኣዝዩ ትሑት

ንሰብኣዊ ሓገዝ ሱዳን ዝቐርብ ምወላ (SHF)” እዮም ዝድገፉ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ኣዝዩ ዘድልዮ ኵነት

ካሪታስን ኢንተርናዚዮናሊስን መሻርኽቱን እውን እቲ ዘጋጥም ዘሎ ዓለምለኻዊ ምጉዳል ምወላ ንዘቕርብዎ ሰብኣዊ ኣግልግሎት ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ትካል፡ ብሓገዝ ናይ UNHCR - ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሽማግለ፡ ኣብ ግዝኣት ጻዕዳ ናይል ንዝተመዛበሉ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ንውሑስ ዝስተ ማይ፡ ጽሬትን ምክልኻልን ደገፍ ይውድብ ከም ዝነበረን ዳተን ሓቢሩ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዓመጽ መወዳእታ ንምግባር ብህጹጽ ክዋሳእ’ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ በዚ ዘሕዝን ምልክት ካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ኣቓልቦ ንምስሓብን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዉ ሓገዝ ዘድልዮም መሰረታዊ ድሌታትን ንምሃብ ዝግበር ጻዕርን ንምስሓብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ምሉእ ድጋፉ ይገልጽ እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Jan 2026, 17:09