ድለ

ሱዳን ፡ ካልኦት 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ብዝተፈጸመ ዓመጽ ከም እተመዛበሉ ይንገር ሱዳን ፡ ካልኦት 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ብዝተፈጸመ ዓመጽ ከም እተመዛበሉ ይንገር  (AFP or licensors)

ሱዳን ፡ ካልኦት 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ብዝተፈጸመ ዓመጽ ከም እተመዛበሉ ይንገር

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሓሙስ ክሳዕ ዓርቢ ልዕሊ 7 ሽሕ ነበርቲ ካብተን ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከባ ከተማታት ከርኖይን ኡም ባሩን ክወጹ ከም እተገዱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ረቡዕን ዓርብን፡ ኣስታት 3,100 ዝዀኑ ሰባት ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣንጻር ሰራዊት ካርቱም ውግእ ብዘካይዱ ዘለዉ ወተሃደራት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ተኸቢባ ካብ ዝነበረት ርእሰ ከተማ ደቡባዊ ኮርዶፋን ካዱግሊ ክም ዝሃደሙ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሱዳን ብዘጋጠመ ዳሕረዋይ ማዕበል ዓመጽ ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ሰሜን ዳርፉርን ደቡብ ኮርዶፋንን ካብ መረበቶምም ከም እተመዛበሉን ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ትማሊ ነዚ ዘሰንብድ ኵነት እንክብል ገሊጹ፡ ብመሰረት እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሓሙስን ዓርብን ልዕሊ 7 ሽሕ ነበርቲ ካብተን ኣብ ጥቓ ዶብ ጫድ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከባ ከተማታት ከርኖይን ኡም ባሩን ከም ዝወጹን ኣስታት 3,100 ዝዀኑ ሰባት ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣንጻር ሰራዊት ካርቱም ውግእ ብዘካይዱ ዘለዉ ወተሃደራት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ተኸቢባ ካብ ዝነበረት ርእሰ ከተማ ደቡባዊ ኮርዶፋን ካዱግሊ ክም ዝወጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ማእከላይ - ደቡብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ኵነታት

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ጥሜት እተኣወጀሉ ከባቢ ካዱግሊ ሓይልታት ሱዳን ዕለት 28 ታሕሳስ ኣብ ማእከል ደቡባዊ እታ ሃገር ንዝገብርዎ ስጕምትታት ንምቍጽጻር ካብ ከተማ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቦርኖ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነዉን፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንርእሰ ከተማ ሰሜን ዳርፉር ኤል ፋሸር ዝሓዘ ወተሃደራት ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF)፡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሰራዊት ከምዝወደቐ ኣፍሊጡ ከም ንዝበረ ይዝከር።

ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት

እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድሮ ብውሕዱ 150 ሽሕ ሞትን ልዕሊ 13 ሚልዮን ከም ዘመዛበለን፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ብዝተፈላለዩ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ጉጅለታት በርገሳውያን ማሕበራትን ዝግመት ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ባይታ ዘሎ ከቢድ ዘይውሕስነት እቲ ቅጽሪ ብትኽክል ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ እውን እንተኾነ - ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም 50 ሚልዮን ነበርቲ ኣብ ከቢድ ውሕስነት መግቢ ክወድቁ ከም ዝገበረን ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት: ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ልዕሊ 17 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ይፍለጥ።

29 Dec 2025, 16:46