ድለ

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ህቦብላ ኣብ ስሪላንካ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ገና ሓገዝ የድልዮም ድሕሪ ሓደ ወርሒ ህቦብላ ኣብ ስሪላንካ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ገና ሓገዝ የድልዮም 

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ህቦብላ ኣብ ስሪላንካ ልዕሊ ሚልዮን ሰባት ገና ሓገዝ የድልዮም

ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ ስሪላንካ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ብዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ ብኸቢድ ከምዝተሃስየን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ክሳራታት ከምዘስዓበን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉን እውን ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህቦብላ ዲትዋ ንስሪ ላንካ ካብ ዘዕነወ ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ምዕልቕላቕ ማይን ንነዊሕ እዋን ዝዘንመ ዝናምን ነቲ ዅነታት የጋድዶ ብምህላዉ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ረድኤት ከም ዘድልዮምን

ይንገር፣ እቲ ዕለት 28 ሕዳር ኣብ ምብራቓዊ ገማግም እታ ሃገር ዘጋጠመ ብርቱዕ ህቦብላ 643 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ካልኦት 183 ድማ ገና ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳዕ ሎሚ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ስሪ ላንካውያን ምስቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዜምጽኦ ሳዕቤን ይቃለሱ ኸም ዘለዉ ክልተ ሲሶ ካብዚኣቶም ከኣ ዳርጋ ፍርቂ ሚልዮን ቈልዑ ዚርከብዎም ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዜድልዮም የጠንቅቕ።

ናይቲ ከባቢ ሰበ - ስልጣንን ሰራሕተይናታት ረድኤትን ኣብ ኵለን ትሽዓተ ዞቦታት ኣታ ሃገር ሰፊሕ ዕንወት ከም ዘጋጠመ እንከረጋግጹ፣ እዚ ኸኣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክቋረጽን ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝዀኑ ሰባት ዝያዳ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከም ዘቀለዐን ኣመላኺቶም፡ ብተወሳኺ መግቢ ይንኪ ብምህላዉ ኣስታት 30 ሚእታዊት ኣባይቲ ስድራ ንብርቱዕ ጥሜት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ እውን የጠንቅቑ። ብመሰረት እቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ገምጋም በቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ዝወረደ ንዋታዊ መጉዳእቲ ዳርጋ 4.1 ቢልዮን ዶላር ኪበጽሕ ከም ዝኽእልን፣ እዚ ኸኣ ዳርጋ 4 ሚእታዊት ሓፋሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት እታ ሃገር ከም ዝኾነን ይንገር።

ነዊሕ መንገዲ ሕውየት

ከምቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት (ዩኒሴፍ) ዝጸብጸቦ፡ ኣብ ምክልኻል ህጻናት፡ ትምህርትን ኣመጋግባን ከቢድ ጉድለታት ይርአ ኣሎ። ኣገልግሎት ማይ፣ መጸራረይን (WASH) ኣብ ምጥቃም እውን ጸገማት ከም ዘሎን ዘረጋግጽ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ህጻናት ገና ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ተመዛቢሎም ወይ ኣብ ወለንተይናታት ኣአንገድቲ ኣባይቲ ስድራ ተዓቝይቦም ከም ዘለዉን የመላኽት።

ትምህርቲ ብኸቢድ ተጸልዩ እዩ። ልዕሊ ሓደ ሽሕ ኣብያተ ትምህርትን ሽዱሽተ መናብርተ ጥበብ ክጉዳእ እንከለዋ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 500 ኣብያተ ትምህርቲ ናብ መዕቆቢ ማእከል ከም እተቐየራን፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ዝፍጠር ምዝንባዕ ንምንካይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ምምዕራይ ናይ መምሃሪ ክፍልታት ከም ዘድሊ ሰብኣዊ ትካላት ይሕብራ።

ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት (IOM) ኣብዚ እዋን’ዚ ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣባይቲ ክነብሩ ከም ዘክእሉን - ኣባይቶም ዝዓነዎም ከም ዝኾኑ፡ ገለ ካብኣቶም ብደቂ ዓዲ ተኣንጊዶም ከም ዘለዉን፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ኣባይቲ ከም ዝርከቡ ኣረጋጊጹ፡ ሲሪላንካ ካብ ቻይና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ርኡይ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝበጻሓን። ነቲ መስርሕ ዳግማይ ህንጸት ንምድጋፍ እውን ናይ ገንዘብ ሃገዝ ክገብራ ምዃነን ቃል ከም ዝኣተዋን፡ መንግስቲ ሲሪላንካ ዘቕረቦ ሕቶ ስዒቡ፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ሰብኣዊ መሻርኽትን ኣብዚ ወርሒ’ዚ ትልሚ ሰብኣዊ ቀዳምነታት ኣበጊሶም፡ ነቶም ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ኣብ ጽንኩር ኩነታት ንዝርከቡ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ 35.3 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድሊ እንከመላኽታ፡ ሰብኣዊ ትካላት፡ እኹልን ቀጻልን ቍጠባዊ ደገፍ  እንተዘይተገይሩሉ፡ መንገዲ ሕውየት ነዊሕ ከምዝኸውን የጉልሓ።

30 Dec 2025, 17:02