እስራኤል ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ን19 ሓደስቲ ሰፈራታት ኣፍልጦ ትህብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቤት ምኽሪ ጸጥታ እስራኤል ኣብቲ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ን19 ሓደስቲ ሰፈራታት ኣፍልጦ ዝህብ ውሳኔ ብምጻቕ እዚ ድማ መንግስቲ ኣብቲ ግዝኣት ህላወኡ ንምስፋሕ ዝገብሮ ዘሎ ድፍኢት ዘዕምቝን ከም ዝኾነ ክሕበር እንከሎ ንሰፈራ ዝድግፍ ኣባል ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እስራኤል ሚኒስትር ሃብቲ ገንዘብ በዛለል ስሞትሪች፡ እዚ ስጉምቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ሕጋዊ ወይ ዝጸደቐ ሰፈራታት ናብ 69 ከምዘብጽሖ እንክመላኽት፡ እቶም ዳሕረዎት ፍቓድ ንኽልቲኦም ሓደስቲ ዝተመስረቱ ናይ መቆጻጸሪ ነቑጣትትን ብዘይ ወግዓዊ ፍቓድ ዝተሃንጹ ሰፈራታት ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ስሞትሪች እቲ ውሳነ ኣብ መላእ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንዝነበረ ሰፈራ ኣይሁድ ንምድልዳልን ነቲ “ብጭቡጥ ምምስራት” ዝበሎ መንግስቲ ፍልስጤም ኣብ ፍጻሜ ንኸይበጽሕ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ እውን የረጋግጽ።
እቲ ሕጂ ንእስራኤል ዝመርሕ ዘሎ የማናዊ ጥምረት መንግስቲ፡ ፍልስጤም ዝቃወሙን ንምቁጽጻር እስራኤል ኣብ ልዕሊ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ንምስፋሕ ዝድግፉን ኣኽረርቲ ውድባት ዘጠቓለለ ከም ዝኾነን፡ ንጥፈታት ሰፈራታት ኣዚዩ ክቀላጠፍ እውን ይገብር ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።
ሰበስልጣን ፍልስጤም ነቲ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕን እዚ ፍታሕ እዚ ንዘህልዎ ተስፋታት ዘዳኽምን ኣብ ባይታ ዘሎ ወጥሪ ዘዕብን ምዃኑ ከጠንቅቑ እንከለዉ፡ ምዕራባውያን መንግስታት እስራኤል እተካይዶ ምስፋሕ ሰፈራታት ደው ከተብሎ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕርቡን፡ ዋና ጸሓፊ ዓረብ ሊግ ኣሕመድ ኣቡል- ጌት፡ እቲ መንግስቲ እስራኤል ዝክተሎ ዘሎ ሰፈራታት ኣፍልጦ ዝህብ ውሳነ ዘይሕጋውን ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊን እዩ እንክብ ከም ዝገለጾን እቲ ውሳነ ነቲ ኣንጻር ንጥፈታት ሰፈራ ዝግበር ዓለም ሓቆፍ ዘተ ዝጻረር ምዃኑ የስተብህል። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ’ውን ብወገኑ ንውሳነ ሰፈራ እስራኤል ብምንቃፍ፡ ፍልስጤማውያን መሬት ንኸይረኽቡ ዝድርት ምዃኑን ንመጻኢ ሃገር ፍልስጤም ኣብ ሓደጋ ዘእቱን’ዩ እንክሉ ከም ዝነቐፉን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ እስራኤላውያን ሰፈራታት ከም ዘይሕጋዊ ዝቑጸሩ ምዃኖም እውን የመላኽቱ።