ድለ

ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ደቡብ ኪቩ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ተመዛቢሎም ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ደቡብ ኪቩ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ተመዛቢሎም  (AFP or licensors)

ደሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ደቡብ ኪቩ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ተመዛቢሎም

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዞባ ደቡብ ኪቩ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ዝምርሽሉ ዘለዉ እዋን ህጻናት ክሃድሙ ይግደዱ ከምዘለዉን ህጻናት ንዝተፈላለየ ኣዚዩ ዘሰክፍ ሓደጋታት ይቓልዑ ምህላዎም የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እቲ ግጭት እናተጋደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ 100 ሽሕ ህጻናት ከም እተመዛበሉን ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ኣብ ግዝኣት ደቡብ ኪቩ ዝተራእየ ቅልጡፍ ተጻብኦታት “ኣዝዩ ዘሰክፍም ምዃኑ” ከም ዝሓበረ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 14 ታህሳስ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽብሉ መሪሖም ብሓባር ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ውግእ “ዝሕድረሎም ዘሎ ከቢድ ስክፍታ” ከም ዝገለጹ የዘኻኽር።

ቅልጡፍ ምዝንባል

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF፡ “ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ኣብ ደቡብ ኪቩ ጥራይ ልዕሊ 100,000 ሕጻናት ሓዊስካ፡ ልዕሊ 500,000 ሰባት ከም ዘመዛበለን። ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገርን ስግር ዶብን ናብ ብሩንዲን ሩዋንዳን ከም ዝሃደሙ እንከመላኽት፡ "ዓመጽ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ምምዝባል ዝያዳ ከም ዝውስኽ" እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ካብ ዕለት 2 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ኣርባዕተ ተማሃሮ ሓዊሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም እተቐትሉን፡

ካልኦት ንህጻናት ዝጸሉ ግህሰታት ምኽንያት ሽዱሽተ ተማሃሮ ከም ዝቖሰሉን ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ 7 ኣብያተ ትምህርቲ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመን፡ ካብቲ ዓመጽ ዝሃድሙ ብዙሓት ሰባት ናብ ብሩንዲ ከም ዝሰገሩን፣ “ኣብ መንጎ 6ን 11ን ታሕሳስ ጥራይ ልዕሊ 50,000 ከም እተመዛበሉን” ዳርጋ ፍርቆም ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ኣረጋጊጹ፡ ቈልዑ፡ “ዋጋ ግጭት ፈጺሞም ክኾኑ የብሎምን እንክብል እውን ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ደቡብ ኪቩ ዓማጽያን ኤም- 23

መጥቃዕቲ ዓመጽቲ ኤም - 23 ኣብ ደቡብ ኪቩ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘይ ግብረ መልሲ ሓይልታት መንግስቲ ናብ ከተማ ኡቪራ ድሕሪ ምእታዎም - ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር - ድሕሪ ከቢድ ግጭት ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ምስ ዝኾኑ ሚሊሻታት ዋዛለንዶ ንከተማ ማኮቦላን ቁሸት ካሴከዚን እውን ከምዝሓዙ ይንገር።

ኣክቱዋሊተ እተሰምየ ኮንጋዊ ማዕከን ዜና ዝጠቐሱ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ እቶም ብሩዋንዳ ዝድገፉ ተባሂሉ ዝንገረሎም ኤም - 23 ዓማጽያን፡ ካብ ማኮቦላ ኣስታት ሰለስተ ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ካሴከዚ ንዝርከብ ቦታታት ዋዛለንዶ ኣጥቂዖም ኣብኡ ከም ዝዓረዱ ይሕብሩ።

ሕጂ ምቁጽጻር ማኮቦላ ነቶም ዓመጽቲ ብሃገራዊ መንገዲ 5ን ቀላይ ታንጋኒካን ኣቢሎም ናብ ኣውራጃታት ማኒየማን ታንጋኒካን ገጾም ክደፍኡ ከም ዝኽእሉ ይንገር።

ዞባዊ ወጥሪ

ኣብ ጥቓ ዶብ ብሩንዲ እትርከብ ከተማ ኡቪራ ምሓዝ እውን ነቲ ዞባዊ ወጥሪ ዳግማይ ከም ዘጓሃሃሮን፡ ሩዋንዳ ንኤም - 23 ቍጠባዊ ሓገዝ ከምዝገበረት ብምኽሓድ፡ ነቲ ዝተሓደሰ ውግእ ንሓይልታት ኮንጎን ብሩንዲን ትኸስስ፡ ፓትሪክ ቡሱ ቡዋ ንግዊ - ብኤም - 23 ዝተመዘዘ ኣመሓዳሪ ደቡብ ኪቩ ኮይኑ ዝቐረበ - ኩሎም ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት ብሩንዲ “ካብቲ መሬት ክወጹን ብሰላም ናብ ዓዶም ክምለሱን” ጻውዒት ከም ዘቕረበን ኤም - 23 ብተወሳኺ “ኣብ እዋን ውግእ ካብ ዝተማረኹ ሓያሎ ኣማኢት ወተሃደራት ቡሩንዳውያን” ምዃኑ ገሊጹ፡ "ነዞም ምሩኻት ቡርንዳውያን ናብ ሃገሮም ከፋንዎም" ሓሳብ ከምዘለዎ እውን እንተገለጸ፡ ብሩንዲ ግን ናብ ሃገሮም ንኽምለሱ ወግዓዊ ሕቶ ከተቕርብ” ከም ዝሓተተ ይፍለጥ።

ርእሰ ብሔር ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ንዑደት ኣብ ኣንጎላ

ዕለት 15 ታሕሳስ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ርእሰ ብሔር ፌሊክስ ትሺሰከዲ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዞባዊ ብድሆታት ኣብ ዝረአየሉ ዘሎ እዋን፡ ክልተኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ዑደት ከም ዘካየደን፡ ብመሰረት ጸብጻብ ፈነወ ራድዮ ኦካፒ፡ እቲ ዑደት ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ሰላም ንምምላስ ዝዓለመ መስርሕ ሉዋንዳ ኣብ ምሕዳስ ዘተኮረ ኮይኑ፡ ዋላ’ኳ ዕለት 4 ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ሩዋንዳ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ብሽምግልና ኣመሪካ ዝጸደቕ እውን እንተኾነ ዓመጽ ይቕጽል ኣሎ። ኣንጎላ ነቲ ተራ ንቐጠርን ኣመሪካን ቅድሚ ምሃባ፡ ንኣዋርሕ ኣብ መንጎ እቶም ወገናት ኣብ ዝነበረ ዘተ ከም መንጎይና ኮይና ከም ዘገልገለት እዩ ዝፍለጥ።

17 Dec 2025, 17:05