ጽንኩር ኩነታት ኣየር ኣብ ቓዛ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ የስብዕ ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ኣብ ቓዛ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ቴንዳ መዕቆቢ ስደተይናታት ከም ዘዕነወን፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ደብዳብ ቦምብታት እስራኤል ብዙሓት መዕቆቢ ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከም ዝኾኑ ክሕበር እንከሎ፡ ሓደ ሰብ መንበሪ ገዝኡ ብኸፊል ብምፍራሱ ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞን ውጥን ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ውሑስን ነባርን መዕቆቢታት ብህጹጽ ከምዘድሊ ኣጉሊሑ፡ እቲ ትካል ብደገፍ ደቡብ ኮርያ ንዝተመዛበሉ ነበርቲ ዝኸውን ልዕሊ 800 ዝኣረጉ መዕቆቢ ቴንዳታት ከምዝትክእ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ጻዕሪ ግን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ጠለባት ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ የረጋግጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድንኳናትን ኮቦርታን ካልእ መሰራታዊ ኣድላይነታት ብምዕዳል ናይ ክረምቲ ሰብኣዊ መደባት ይሳለጥ እውን እንተሎ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።
ሰራሕተይናታት ጥዕና ኣብዚ ሰሙን እዚ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ትሕቲ 95 ዲግሪ ፋራናይት ወይ ከኣ ትሕቲ 35 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ዚወርድ ሓደገይና ምንካይ ሙቐት ሰብነት - hypothermia ምኽንያት ሓደ ሰብ ከም ዝሞተ ከረጋግጹ እንከለዉ፣ እዚ ኸኣ ኣካላት ካብቲ ኼፍሪ ዚኽእል ንላዕሊ ሙቐት ምስ ዚስእን ዘጋጥም ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ብሰንኪ ንቝሪ ምቅላዕ ዘጋጥም ከም ዝኾነ ክንገር እንከሎ
ቀረብ መግቢ ምስ ምውሳኽ ሓገዛትን ንግዳዊ እትወት መግቢ ይመሓየሽ እንተሃለወ ሕጽረት ግን ገና ይቕጽል ኣሎ፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ድሩት ኮይኑ፡ ቃፍላታት ረድኤት ድማ ዝተሓላለኸ ስርሒት ኣወዳድባን ጸጥታውን ብድሆታት የጋጥሞ ከም ዘሎን። ሰበ-ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ወገናት ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ሓገዝ ክኣትዉ ክፈቕዱ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።