ድለ

ቓዛ ንዓመታት ኣብ ዝጸንሕ ምሕዋይ ትርከብ ቓዛ ንዓመታት ኣብ ዝጸንሕ ምሕዋይ ትርከብ  (AFP or licensors)

ቓዛ ንዓመታት ኣብ ዝጸንሕ ምሕዋይ ትርከብ

ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ብመንጎይናነት ኣመሪካ ስንኩፍ ስምዕዕ ተኹሲ ደው ምባል እኳ እንተተገብረ፡ ሕጂ እውን ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዚዩ ኣሰካፊ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ተጻብኦታት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ስተበጽሐ ተነቃፊ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ ውግእ ዕረፍቲ ዘምጸኣ እኳ እንተኾነ - ካብ ስቓይ ግን ገና ዘናግፍ ኣይኮነን።

ውድብ ውጥን ምዕባለ ሕቡራት ሃገራት ውሕስነት ዘለዎን ነባርን መንበሪ ኣባይቲ ኣድላዪ ምዃኑ ከጠንቅቕ እንከሎ፡  ሕጽረት ምግቢ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ውድብ ውጥን መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸብጸቦ መብዛሕቲኦም ኣባይቲ ስድራ መሰረታዊ ነገራት ክዕድጉ ከም ዘይክእሉን መዓልታዊ  መነባብሮ ድማ ካብቲ ቕድሚ ውግእ ዝነበረ ደረጃ ኣጸቢቑ ዝተሓተ እዩ። ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ መሐበሪታት ኣመጋግባ ምምሕያሽ ከም ተእተገብረ ዝሕብር እውን እንተኾነ - ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጽንኵር ደረጃ ጥሜት ከም ዝርከቡን፡ ልዕሊ 100,000 ሰባት ኣብ ሕሰምን መከራን ከም ዝርከቡ የመላኽት።

ካብ ህጹጽ ድሌታት ሓሊፉ ስፍሓት ዕንወት ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ። ብመሰረት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሳተላይት ትንተና ክሳዕ ወርሒ ጥቅምቲ 81 ሚእታዊ ህንጻታት ቓዛ ዓንዩ እዩ። ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ ትምህርትን መንበረ ኣባይትን ዓንዩ እዩ። በዚ መሰረት ድማ ስፍሓት ዳግመ ህንጸት ኣዝዩ ከቢድን ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ምዃኑ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንነጀው እቲ ዝዓበየ ናይ ዳግመ ህንጸት ጻዕርታት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ ልዕሊ 70 ቢልዮን ዶላር ዝሓትት እዩ ዝብል ገምጋም ከም ዘሎን እዚ ዕማም እዚ ንዓሰርተታት ዓመታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይንገር።

27 Dec 2025, 16:57