ሱዳን፡ ኣብ ኤል - ፋሸር ንኽብሪ ወዲ ሰብ ዕሽሽ ዝብል ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ይፍጸም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን ዝተበገሰ ናይ ስልጣን ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሱዳን፡ ብገምጋም 150 ሽሕ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 12 ሚልዮን ድማ ከም እተመዛበሉን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዞባ ዳርፉር ከተማ ኤል - ፋሸር ህጹጽ ደገፍ ሓይልታት (RSF) ምልሻታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ግፍዒ ይፍጽሙ ከምዘለዉ ይግለጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃግራት ካብ ዓመጽ ንዝሃድሙ ኣብ ከቢድ ራዕዲ ንዝርከቡን ዝጠመዩን ሱዳናውያን ሰላማውያን ሰባት መሰረታዊ ድሌታትን መሰላትን ዘየገድሶ ምዃኑ ዘረጋግጽ ብዛዕባ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ጸብጻባት ከም ዝበጸሖ ይሕብር።
ኣብ ሱዳን ሓላፊት ሰብኣዊ ስርሒታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ደኒስ ብራውን፡ ኣብታ ሕጂ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ዝሓዝዋ ከተማ ኤል - ፋሸርን ከባቢኣን ዝርከቡ ምልሻታት፡ ንሓለዋን መሰልን ሰላማውያን ዜጋታትን ዘይግደሱ ምዃኖም ተርኢ ጸብጻባት ምህላዉ ሓቢራ፤ ዘይተዓጠቑ ሰላማውያን ሰባት ብፍላይ ኣብ መሬት ደቂሶም ንዝነበሩ ብጥይት ከምዝቐተሉ ዝገልጽ ተኣማኒ ጸብጻባት ክበጽሓና ጀሚሩ ኣሎ፡ ንጹሓን ዜጋታት ካብቲ ውግእ ክሃድሙ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን ክቕተሉ እንከለዉ ዘርእይ ተኣማንነት ዘለዎ ጸብጻባት’ውን በጺሑና ኣሎ (. . .) ገና ዘርየጋገጽናዮ ብዛዕባ ጃምላዊ ቅትለት (. . .) ከምኡ እውን ሰባት ካብታ ከተማ ክወጹ ዘይፍቀደሎም ብምዃኑ ዝነብርዎ ዘለዉ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰንብድ ምዃኑ ዘረጋግጽ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብራውን ከም ዝብለቶ፡ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ (RSF) ኣብ ልዕሊ እታ ከተማን መውጽኢ መንገድታታን፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ነታ ከተማ ምቍጽጻሮም ቁጽሪ ሞት ንጹሓን ዜጋታት ኣማኢት ክበጽሕ ይግምት፡ መሰኻኽር ድማ ኣብ ውሽጢ ቤት ሕክምና ወሊድ ኣል - ስዑዲን ንግዚኡ ከም ማእከላት ሕክምና ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉ ማእከላት ዝነበሩ ዝሓመሙን ዝቖሰሉን ውልቀሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝዕመጻን ዝገልጽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ኣረጋውያን ነበርቲ ዝፍጸም ተኹስን ምፍርራሕን ኣዝዩ ብዙሕ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኩሉ መራኸብታት ድማ ስለ ዝተቛረጸ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ቀጥታዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ይገብሮ። እቲ ዘይከሓድ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ማሕበረሰብ ዓለም ህዝቢ ሱዳን ዘጋጥሞ ዘሎ ቀጻሊ መዓትን ስቓይን እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።