ድለ

ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝርከብ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ጸገም ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝርከብ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ጸገም 

ኣብ ዞባ ዳርፉር ሱዳን ዝርከብ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ጸገም

ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ንኸተማ ኣል - ፋሸር ድሕሪ ምቁጽጻሩ ልዕሊ 62 ሽሕ ሰባት ካብታ ከተማ ከም ዝሃደሙ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ን18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ከበባ ተዛዚሙ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ ነታ ከተማ ምስ ተቖጻጸረ፡ ልዕሊ 62 ሽሕ ሰባት ካብ ኤል - ፋሸር ከምዝሃደሙ ይእመን። ካብ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ማይን መጽለልን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ብዙሓት ናብ መዓስከር ስደተይናታት ጣዊላ ንምብጻሕ ኣስታት 70 ኪሎ ሜተር ብእግሮም ከም እተጓዕዙን፡ ትካላት ረድኤትን ኣሽሓት ዜጋታትን ኣብታ ከተማ ተዓጽዮም ከምዘለዉ እዚ እውን ንዝተፈላለየ ሓደጋ የቓልዖም ከም ዘሎ የጠንቅቑ።

ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ መርመራን ተሓታትነት ክጻረን ይጽውዕ

ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ግጭት ዳርፉር ብህልቂት ካብ ዝተኸሰሱ ምልሻታት ጃንጃዊድ ዝወጸ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቅልጡፍ ደገፍ፡ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ይዋጋእ ከም ዘሎን፡ ከተማ ኤል - ፋሸር ምቝጽጻሩ እውን ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዓቢ ለውጢ ዘምጽእ ኮይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብታ ናይ መወዳእታ ብመንግስቲ ዝተታሕዘት ከተማ ዳርፉር ክወጽእ ዘገድዶ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

ሱዳን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅላውላውን ምዝንባልን የጋጥማ

ካብ 51 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ሱዳን ኣስታት 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም ዝሃደሙን

ጥሜት ብሰፊሑ ስለዘሎ፡ ለበዳ ሕማም ፌራን ካልእ ቀተልቲ ሕማማትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣብታ ከተማ ዓቢ ወራር ካብ ዝገብር ንደሓር፡ “ብሓጺሩ ቅትለት፡ ጃምላዊ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሰራሕተይናታት፡ ዘመተን፡ ጭውያን ግዱድ ምምዝባልን ዘርኢ ዘስካሕክሕ ጸብጻባት” ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበጸሖ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሰይፍ ማጋንጎ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 Nov 2025, 16:55