2025.04.14 Basilica della Sagrada Familia, Barcellona, Spagna. Architetto Antoni Gaudí 2025.04.14 Basilica della Sagrada Familia, Barcellona, Spagna. Architetto Antoni Gaudí 

ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ባርሴሎና ኣብ ዓለም እታ ዝነውሐት ቤተ-ክርስትያን ኮይና

እቲ ኣብ ባርሴሎና ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ኣብ 2026 ክዛዘም ተመዲቡ ኣሎ፣ ማእከላይ ግምቢ ህንጸት ክዛዘም ስለ ዝቐረበ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ቤተ-ክርስትያን ብምዃን ተፈላጥነት ኣመዝጊቡ ይርከብ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ

ኣብ ባርሴሎና ስጳኛ ዚርከብ ማእከላይ ህንጻ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ህንጸት በጽሕ ይርከብ ኣሎ ። እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ግምቢ ንኢየሱስ እተወፈየ፣ ቐዳማይ ክፋል መስቀል ተተኺሉ ይርከብ ኣሎ ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓለም እታ ዝነውሐት ኮይና ትርከብ።

እዚ ሕጂ 162.91 ሜትሮ ዝቝመቱ ኣብ ባርሴሎና ዚርከብ ባዚሊካ፣ ካብቲ ኻብ 1890 ኣትሒዙ እቲ ዝነውሐ ቤተክርስቲያን ኮይኑ ዝርከብ ዝነበረ ቤተክርስቲያን ኡልም ሚንስተር ጀርመን ሒዝዎ ዝጸንሐ ደረጃ ክወስድ ኢዩ። እቲ ማእከላይ ግምቢ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተወፈየ ምስ ተዛዘመ እቲ ቤተ ክርስትያን 172 ሜትሮ ዝቝመቱ ኪኸውን እዩ።

7.25 ሜትሮ ቍመትን 24 ቶን ዝክብደቱን እዚ ሓድሽ ክፋል እዚ ታሕተዋይ ቅልጽም መስቀል ኣብዚ እዋን እዚ ተተኺሉ ይርከብ ኣሎ። እቲ ነዚ ንምግባር ዘድሊ መሳርሒታት ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ናብታ ኸተማ በጺሑ ካብ ማእከላይ ባሕሪ 54 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዚርከብ መድረኽ ተቐሚጡ ዝነበረ ኢዩ።

እዚ ህንጻ እዚ ኣብቲ ዝነውሐ ማእከላይ ግምብታቱ ናይታ ቤተ ክርስትያን ዓብዪ ፍጻመ እዩ ዜመልክት። እዚ ምስ ዝዛዘም ኣብቲ ኣስታት 150 ዓመት ይገብር ዝጀመረ ቐጻሊ ህንጸት እዚ ባዚሊካ ቅድስቲ ስድራ ታሪኻዊ ህሞት ክኸውን ኢዩ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ እዋን ህንጸቱ ብዙሕ ዕንቅፋታትን ብድሆታትን ኣጋጢምዎ ነይሩ ኢዩ። ኣንቶኒ ጋውዲ ዝስሙ መሓንድስ ናይዚ ህንጻ ኣብ ዝሞተሉ እዋን ካብቲ እተመደበ 18 ግምብታት ሓደ ጥራይ እዩ ተሃኒጹ ዝነበረ። ድሕሪኡ ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ ስጳኛ ኣናርኪስት ነቲ ህንጻ ብሓዊ ኣንደድዎ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ግዜ ለበዳ COVID19 ስራሕ ኣቋሪጹ ነበረ፣ ስዒቡ ድማ ገንዘባዊ ምንካይ ስለ ዘጋጠመ ብዙሓት ኣባላት እቲ ቀረብ ቱሪዝም ከም ዘይብሎም ይዛረቡ ነበሩ።

ኣብ መስከረም 2025 ጠቕላሊ ኣመሓዳሪ ናይዚ ባዚሊካ ዣቪየ ማርቲነዝ፣ ንኣሶሺየትድ ፕረስ ግምቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 2026 ኪዛዘም ምዃኑ ገለጸ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ መበል 100 ዓመት ሞት ጋውዲ ዚሰማማዕ ክኸውን እዩ። ሚእቲ ዓመት ናይቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን እተቐብረ መሃንድስን ካልኦት ሓያሎ ፍጻመታት ድማ ከዘኻኽር ኢዩ።

06 Nov 2025, 10:48