ድለ

ዒራቕ ብሓድሽ ናይ ምርጫ ሕጊ ንፈለማ ግዜ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ይምረጹ ዒራቕ ብሓድሽ ናይ ምርጫ ሕጊ ንፈለማ ግዜ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ይምረጹ  (ANSA)

ዒራቕ ብሓድሽ ናይ ምርጫ ሕጊ ንፈለማ ግዜ ኣባላት ህዝባዊ ባይቶ ይምረጹ

እቲ ብከም በዓል ኣመሪካ፣ ኢራንን ቱርክን ዝኣመሰላ ሓያላት ሃገራት ዝተጸልወ ምርጫ፡ ዒራቕ ናብ ምትግባር ሃገራዊ ዛዕባታት ከትሰጉም ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት ኮይኑ ከም ዘሎ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዒራቕ መራሔ መንግስቲ መሓመድ ሺዓ ኣልሱዳኒ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይ ጎስጓስ መደብ ኣብ ዘካየዶ ምንቅስቓሳቱ፡ “እዚ ምርጫ’ዚ ንዒራቕ ድሕሪ 2003 ኣገዳስነት ዘለዎ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰበን ኣብዚ ናይ ሎሚ ባይቶኣዊ ምርጫ 329 ወከልቲ ክምረጹ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብሔር ምምራጽን መራሔ መንግስቲ ናይ ምሻምን ዕማም ክስዕብ እዩ።

ኢራን፡ ኣመሪካን ቱርክን

እቲ ምርጫ ብዞባውን ኣህጉራውን ንጥፈታት እውን ዝምርኮስ እዩ። ዒራቕ መስቀላዊ መንገዲ ጽልዋ ኣመሪካን ኢራንን ከምኡ’ውን ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ወጥሪ ኮይና ትቕጽል ኣላ። ብሰንኪ እዚ ወጥሪ እዚ፡ ጽልዋ ኢራን ኣብ ዒራቕ ዝነከየ ድማ ይመስል።

ኣሜሪካ ብወገና ንኢራን ዝድግፉ ምልሻታት ንምድራት እገዳታትን ዘተን ምጥቃም እኳ እንተቐጸለት ወተሃደራዊ ህላወኣ ከም ዝነከየት እዩ ዝፍለጥ፡ መራሕቲ ውሽጢ ዓዲ ኣብ መንጎ ግዳማዊ ጸቕጥታትን ውሽጣዊ ትጽቢታትን ከም መንጎይናታት ኮይኖም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትሕተ ቅርጺ ዝምልከቱ ጉዳያት ናይቲ ምርጫ ቀንዲ ዝክረ ንገር ኮይኑ ከም ዘሎ ይንገር።

ትርጉም ዘለዎ ምርጫ

ስለዚ ምርጫ ዒራቕ ብውሑዱ ብኣርባዕተ ምኽንያታት ኣገዳሲ እዩ። ቀዳማይ፡ ዒራቕ ናብ ምትግባር ሓቀይና ሃገራዊ ዛዕባ ክትስጉም ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ንምውሳን። ካልኣይ፡ ክብደት ናይ ወጻኢን ዞባውን ፖለቲካ ኣብ ውሽጣዊ ውሳነታት ንምዕቃን። ሳልሳይ፡ ሓድሽ ወለዶ ወይ ነጻ ተዋሳእቲ ይቕልቀሉ ምህላዎም ንምርኣይ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መንግስቲ ዒራቕ ብኸመይ ከም ዝቐውም ምዕዛብ - ብምርጫ ምዕዋት ማለት ብቐጥታ በይንኻ ምምሕዳር ማለት ስለዘይኮነ።

12 Nov 2025, 15:45