ኣብ 2024 673 ሚልዮን ከም ዘጋጠሞም ውድብ ሕቡራት ይገልጽ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2024 673 ሚልዮን ሰባት ጥምየት ከምዘጋጠሞምን እዚ ድማ ምስ 8.3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም ዝመጣጠን ምዃኑ ይገልጽ። ብመሰረት ዕለት 28 ሓምለ ዝተሓትመ ጸብጻብ ኩነታት ውሕስነት መግብን ኣመጋግባን ዓለም (SOFI 2025)፡ ብዓለም ደረጃ ጥሜት ነክዩ እዩ፡ እንተኾነ ኣብ ኣፍሪቃን ምዕራብ እስያን ሓዊሱ ኣብ ዝተወሰኑ ዞባታት ክብ እናበለ ይኸድ ከም ዘሎ ጸብጻብ ኩነታት ውሕስነት መግብን ኣመጋግባን ዓለም (SOFI 2025) እንከመላኽት፡ እዚ ብሓሙሽተ ፍሉያት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ማለት ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት (FAO)፡ ኣህጉራዊ መዋሊ ሕርሻዊ ልምዓት (IFAD)፡ ናይ ህጻናት ጉዳይ ዝሓል ትካል ሕቡራት ሃገራት (UNICEF)፡ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ( WFP)፡ ከምኡ’ውን ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ብዝተገብረ መጽናዕቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኮይኑ፣ ናይዚ ዓመታዊ ዓለማዊ ጸብጻብ ዕላማ ዘላቒ ልምዓት (SDG) 2 ሸቶታት ማለት 2.1ን 2.2ን ዘጠቓልል ብኹሉ መልክዑ ጥምየት፡ ስእነት መግብን ሕጽረት መግብን ንምውጋድ ዝምልከት መደብ መሰረት ዝገበረ ኮይኑ ብተወሳኺ ብዛዕባ ጥሜት፡ ዘይውሕስነት መግብን ሕጽረት መግብን ዝምልከት እዋናዊ ቁጽርታት፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ዋጋ ጥዑይ ኣመጋግባ ሓድሽ ግምታት የቕርብ።
ኣብ 2024 ብገምጋም 2.8 ቢልዮን ሰባት ማእከላይ ወይ ከቢድ ውሕስነት መግቢ ከም ዘጋጠሞምን
እታ ኣዝያ ዝተሃስየት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኮይና፡ ኣስታት 307 ሚልዮን ህዝቢ ማለት ልዕሊ 20% ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ ጥሜት ከም ዘጋጠሞን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዑል ዝቕባበ ዋጋታት መግቢ ንብዙሓት ብፍላይ ድማ ትሑት እቶት ንዘለዎም ህዝቢ ጥዕና ዘለዎ ኣመጋግባ ንምርካብ ከጸግሞም ከም ዝገበረን፣ ብፍላይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንኸቢድ ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዘቃልዕ ኮይኑ፣
ሕጽረት መግቢ፡ ንዓቢ ክፋል ሞት ኣበርክቶ ከምዘለዎን፡ ትሑት ኣመጋግባን ቀጥዒ ኣልቦ ግዝፍን ከስዕብ ከምዝኽእልን እቲ ጸብጻብ ይሕብር።