ድለ

2025.10.02 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ንስደተይናታት ዋና ሓላፊት ፖፕ 2025.10.02 ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ንስደተይናታት ዋና ሓላፊት ፖፕ   (@VATICAN MEDIA)

ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ንስደተይናታት ዋና ሓላፊት ፖፕ

ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ዋና ሓላፊት ኣምይ ፖፕ ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ድሕሪ ምስ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዘካየደቶ ርክብ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብቶ መግለጺ፣ ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግብረ ገባዊ ስልጣንን መሰላት ስደተይናታት ንምስጓም እተካይዶ ጭቡጥ ጻዕርን ተጒልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 2 ጥቅምቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ንዋና ሓላፊት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ኤሚ ፖፕ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ድሕሪ እቲ ርክብ ኤሚ ፖፕ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብን እቲ ኣህጉራዊ ትካል መሰላት ናይቶም ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ሰባት ንምድጋፍ ዘለዎ ተልእኾ ተካፍል።

ሕቶ፦ ሎሚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ተራኺብኪ። እቲ ርክብ ከመይ ነይሩ? እንታይ ዓይነት ዓለም ለኻዊ ጉዳይ ስደት ንቕዱስነቶም ኣቕሪብኪ?

መጀመርያ እቲ ምቁራጽ ሰብኣዊ ምወላ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሕናን ካልኦት ትካላትን ኣብ መላእ ዓለም እንካይዶ ዘለና ስራሕ ዘለዎ ጽልዋ ብምዝታይ እዩ እቲ ርክብ ዝተጀመረ፣ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ኣድላይነት ኣዝዩ ልዑልን ብሓቂ ድማ ብሰንኪ ግጭትን ጽልዋታት ሓደጋ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየርን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነትን ንርኢ ኣለና። በዚ ኩሉ ጽልዋታት ድማ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰባት ሎሚ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ።
ማዕረ ማዕሪኡ ግን ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ካብቶም ቀንዲ ለገስቲ መንግስታት ንሰብኣዊ ምላሽ ዝግበር ደገፍ ብምጉዳሎም ድማ እቲ ውድብ ንልዕሊ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ወይ ደገፍ ዝሰኣኑ ወይ ድማ ደገፍ ዝጎደሎም ኣብ ዝገብሮ ሓገዝ ዓቢ ጽልዋ ገይሩ ኣሎ፣ በዚ ምኽንያት ብዓይኒ ሰብኣውነት እቲ ዝመጽእ ጽልዋታት ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣዕናዊ እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ምስ ከማና ዝኣመሰሉ፡ ኣብ ኣዝዩ መሰረታዊ ድሌታት ንሰባት ዘገልግሉ ትካላት ብሓባር ክትሰርሕ ከምዘለዋ ተመያይጥና፡ ኣብዚ ውልትውና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ ህሞት ንጉዳይ ስደት ዳግማይ ምቕራጽ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ተዘራሪብና . . . ስደተይናታት ምንጪ ተስፋ ምዃኖምን ስደት እውን ናይ ቤተ ክስቲያን ጉዕዞ ኣካል ምዃኑን ናይ ቤተ ክርስቲያን መልእኽቲ ይሕብር፣ እዚ ኩላትና ብመንፈሳዊ ይኹን ብኣካል እንገብሮ ንግደት ኮይኑ፡ እቲ ዕማም ድማ ነቶም ዛንታታት ብኸመይ ከም እንሕዞም፡ ስደተይናታት እንታይ ከም ዘጋጥሞም ብኸመይ ክድገፉ ከም ዘለዎም ንቕሓትን ዝህብ ማሕበረሰብ ንሃንጽ፡ ከምኡ’ውን ኣካል ናይቲ ዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ክንከውን ከም እንኽእል ምርካብ እዩ።

ሕቶ፡- ኣብቲ “ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ናይ ሓባር ገዛና” ብዝብል ኣራእስቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ትሳተፊ ኣለኺ፡ እዚ ዋዕላ እዚ ንሰባት ብዛዕባ ጉዳይ ስደት ኣፍልጦ ክህልዎም ዝድርኽን ዝሃንጽን እውን እዩ። ኣብዚ ዋዕላ እንታይ ተስፋ ኣለኪ፡ እንታይ ዓይነት ጉዳያትከ ኣቕሪብኪ?

ብቐዳምነት ንኹሉ ናይ ውድብ ተልእኾ ሰብኣውነት ምዃኑ ምዝኽኻር እዩ። ኩላትና ኣብ ታሪኽና ኣብ ገለ ቦታ ገለ ናይ ስደት ዛንታታት ኣሎና። ኩላትና ሓደ ዓይነት ናይ ሓባር ሰብኣዊ ድሌታትን ክብርን ንካፈል ኢና።

ስለዚ፡ እቲ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዙርያ ሰብኣውነትን ክብርን ናይቲ እንገብሮን ከም ትካል ክንገብሮ እንጽዕርን ዳግማይ ንምቕናዕ ዝሕግዝ እውን እዩ። ደሓር ከኣ መናብርተ ጥበብ፡ ስነ ትምህርታዊ ማሕበረሰብ፡ ተማሃሮ፡ ኣካል ናይዚ ጻዕሪ ክኾኑ ዝኽእሉሉ ኣዝዮም ጭቡጣት መገድታት ከቐምጥ እፈቱ።

ገለ ካብኡ ኣብ ዙርያ መጽናዕትን ንገለ ካብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ግጉይ ሓበሬታ ዝቃወም ሓቅታት ምቕራብ ጥራይን እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ንኣብነት መብዛሕቲኦም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ዝንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ኣፍልጦ ክህሉ ዝገብር እውን እዩ . . . መብዛሕቲኦም ስደተይናታት ብፍላይ ድማ እቶም ብግጭት ዝተመዛበሉ፡ ጽልዋ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኣየር ብኣዝየን ኣዝየን ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ዝእንገድ ኮይኑ፡ ናይ ግድን ደገፍ ናይ ምሃብ ዓቕሚ የብለንን። ስለዚ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ንምርግጋእ ብኸመይ ደገፍ ንህብ?

ብተወሳኺ ብዛዕባ ምህናጽ ንቕሓት፡ ምዕባይ ምጉስጓስ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከቡ ማሕበረሰባት፡ ኣብ መናብርተ ጥበብ ይኹን ኣብ ማሕበራት ወይ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብሓባር ኮይኖም ነቶም ዝተጸገሙ ዝያዳ ደገፍ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ነረጋግጽ።

ሕቶ፡- ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ናይ ቅሩብ ኣዋርሕ ር. ሊ. ጳጳስናኦም፡ ድሮ ብዛዕባ ስደት ዘለዎም ጽኑዕ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ፡ እዚ እውን “ናይ ተስፋ ልኡኻት” ከም ዝኾኑን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናጋዲት ናይ ምዃን ሸነካ ዘዘኻኽሩ ምዃኖም ዝሕብር እዩ። ድምጾም ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብፍላይ ናይ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ስራሕ ብኸመይ ይድግፎ?

ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ብደረጃ ግብረ ገባዊ ስልጣን ከም ዝህብ ንጹር እዩ። እዚ ድማ ኣብዚ ህሞት እዚ፡ ጉዳይ ስደት ከምቲ ዝገለጽክዎ፡ ልዕሊ ዓቐን ፖለቲካውን ውልትውናን ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ።

ሰብኣዊ እንታይ ምዃኑን ንሕና ከም ደቂ ሰባት ከመይ ጌርና ክንራኸብን ደገፍ ክንህብን ከም እንኽእል፡ ከመይ ጌርና ማሕበረሰባት ንምውህሃድ ክንሕግዝ ከም እንኽእል፡ ስደተይናታት ተማሃሮ ንኣብነት ትምህርቲ ክረኽቡ ወይ ስደተይናታት ሰራሕተይናታት ከይምዝመዙ ግቡእ ደሞዝ፡ ግቡእ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝረኽቡሉ ቦታ ዳግማይ መነባብርኦም ከመርሑ ንደሊ።

ስለዚ፡ ሓደ ክፋሉ ነቲ ቤተ ክርስቲያን እተምጽኦ ግብረ ገባዊ ስልጣን ምጥቃም እዩ። ደሓር ግን ኣዝዩ ዝያዳ ግብራዊ ዝኾነ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ሰበኻ፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ማሕበረሰብ ከመይ ጌሩ ከም ኣብነት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝኽእል፡ ከመይ ጌርካ ንማሕበረሰባት ስደተይናታት ክትሰርሕን ክትድግፍን ክትከላኸልን ከም እትኽእል እዩ።

ከምኡ’ውን ናብቲ ቤተክርስትያን ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ረቒቕ ክመስል ዝኽእል ጉዳይ ከኣ ኣብ ዓለምለኻዊ ሃዋህው ዘስግእ ዝመስል ጕዳይ ኣብ ምቕያር ኣዝያ ውጽኢታዊት ክኸውን ኣብ ምግባር ዘለዋ ዓቕሚ ናብ ከባብያዊ ኩነታት ምስ ኣውረድናዮ ግን፡ ከመይ ጌርና ንኹሉ ሰብ ዝያዳ ዝድግፉ ማሕበረሰባት ክንፈጥር ከም እንኽእል ኣዝዩ ብንጹር ክትዕዘብ ዝሕግዝ እዩ። ምስ ቤተክርስትያን ዘሎና ሽርክነት ወሳኒ ይመስለኒ፣ ንሕና ኣብ IOM - ህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ብሓቂ ከነስምረሉ ዝጸናሕና ጉዳይ እውን እዩ ቢላ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

03 Oct 2025, 17:34