ዞባ ምብራቓዊ ኮንጎ፡ ጅሃዳዊ ዓመጽን ጸገም ናይቶም ብተደጋጋሚ ዝተመዛበሉን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን
እዚ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ካብ መወዳእታ 1990ታት ኣትሒዙ፡ ኣንጻር ሰራዊት ኪንሻሳ ዝቃለሱ ህላወ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዘተኣታተዎ ዘይምርግጋእ ኣብ ዘሎ ኩነታት ብህላወ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ዝተባርዐ ግጭት ንቡር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እንክብሉ፡ ብስልኪ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየደ ጃስቲን ሙሂንዶ ነቲ ኩነታት ካብ ቡተምቦ ይገልጾ። ማሲንዳ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣብ ሰሜን ኪቩ ትምህርታዊ፡ ክንክን ጥዕናን ሰብኣዊ ልምዓትን ውጥናት ናይ ዘካይድ ማሕበር "ዶብ ኣልቦ ወንጌላዊት ስድራቤት"፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ኣማእኪሉ፡ እተን ዳሕረዎት ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት፡ ንቡተምቦን ንምዕራብ ኣስታት ሚእቲ ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ዕደና ማንጉረድጂፓ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ይሕብር።
ንግዳውን ዕደናውን ንጥፈታት
"ብዓይኒ ንግዲ እቲ መስህብ ግጭት ኮይኖ ዘሎ ዞባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከባቢ ኮይኑ፡ ካብ ከባቢኡ ዝመጽእ ማዕድናት ዝሽየጠሉ ቦታ እውን ምዃኑ ሓቢሩ፡ ብመሰረት እቲ ብደገፍ ምልሻታት ውሽጢ ዓድን ሰራዊት ኡጋንዳን ኣብታ ዓዲ ኣታውነት ዝገብር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኮንጎ ዘቕረቦ ዳግመ ህንጸት፡ እቲ ዓመጽ ምስ ኪዳን ዲሞክራስያዊ ሓይልታት እንክብል ገዛእ ርእሱ ዝገልጽ ንዳዒሽ ናይ ተኣማንነት ቃል ዝኣተወ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ኣብ ዝካየድ ግጭት ዝነጥፉ ዕጡቓት ውድባት ኮይኑ፡ ንሚሊሻ ኤም23 (ምንቅስቓስ 23 መጋቢት) እውን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ እዚ ምንስቓስ 23 መጋቢት ብመሰረት ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ብውሑዱ ብ4000 ወተሃደራት ሩዋንዳ ዝድገፍ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኪጋሊ ዝኾነ ይኹን እደ ኣታውነት የብለይን እንክብል ብቐጻልነት ዝኽሕዶ እዩ።
ኣብ ማንጉረድጂፓ፡ ጃስቲን ዓለማዊ ካቶሊካዊ ወለንተይና ንሃገረ ስብከት ቡተምቦ - ቤኒ "እቶም 'ኣሸበርቲ' ዕለት 28 ጥቅምቲ ንግሆ ናብቲ ከባቢ ብምእታው ብዝፈጸመዎ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ግዳያት ከም ዝኾኑ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።
ጅሃዳዊ ዓመጽ
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝሳቀያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝሓልይ ጳጳሳዊ ትካል ረድኤት ዘውጸኦ ጸብጻብ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብዓለምለኻዊ ደረጃ ግዳያት ጂሃዳውያን ይቕጽል ከም ዘሎ ዘጒልሕ ኮይኑ፡ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ADF) ንክርስትያናትን እስላምን ዘይናሕስይ ከም ዝኮነን ብምግላጽ ነቶም "ገበነይናታት" ተባሂሎም ዝቘጽሩ ክርስትያናትን እስላምን ከም ዝቐትሎምን፡ ንኣብነት ኣብ ማንጉሬጂፓ "መብዛሕትኦም ክርስትያናን ማለት ካቶሊካውያንን ፕሮተስታንትን" ዝቕመጥሉ ዞባ እምነቶም ኣብ ምስዳዕ ከም ዝዋፈሩን እቶም ጂሃዳውያን "ኣብ ዱር እዮም ዚነብሩ ናብ ኣቝሻት ዚመጹ ንምቕታልን ንምዝማትን ጥራይ እዮም፣ ኣብ ርእሲ እዚውን እቶም ሚሊሽያ ኣብ ጐረባብቲ ኸባቢ ተወሳኺ ቀታሊ ወራር ከም ዝፈጸሙን ኣብዚ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እዚ "ካልኦት 15 ግዳያት" ከም ዝረኸቡ ጀስቲን ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኡሕብር።
ተመዛበልቲ ምቕባል
ሁጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ባይታ ተረኽብካ ግብኡ ምላሽ ንምሃብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ: ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ብውሑዱ 4.6 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ኮይኖም፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከተማ ቡተምቦ ተዓቚቦም ከም ዘለዉን፡ ካልኦት ናብዚ ክመጹ ዘይክእሉ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከባ ዓድታት ከም ዝተርፉን፡ እቶም ኣሸበርቲ ተመሊሶም ብምእታው ቅትለት ከይቅጽሉ ወትሩ ይፈርሑ።" ኩነታቶም ተስፋ ዘቝርጽ እውን እዩ፡ "ኣዝዩ ከቢድ እዋን የሕልፉ ኣለዉ፡ ምኽንያቱ ዋላ ሓንቲ የብሎምን፤ ብወለንታኦም ብዝቕበልዎም ስድራቤታት እዮም ዝእንገዱ። ንገዛእ ርእሱ ጃስቲን ከም ዝሓበሮ ኣብ ገዛእ 24 ሰባት፡ ኣዝማዱን ነበርትን እታ ካብ ማንጉረድጂፓ 8 ኪ.ሜ ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ትውልዲ ዓዱ ንቶዮ የአንግድ: ንሱ እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ብኤዲኤፍ መጥቃዕቲ ኣጋጢምዎ ከም ዝነበረ ሓቢሩ፡ "ኩለን ኣባይቲ ስድራ ኣዝየን ድኻታት እየን፡ ዕለታዊ መግቢ ከናድይ ድዩ ወይ ናብ ማሕረስ ክምለስ ዝኽእል ሰብ የሎም፡ ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ሓደጋ ሓድሽ መጥቃዕቲ ስለ ዘሎ” ይብል።
ኣህጉራዊ ሓገዝ
"ነዞም ሰባት ደገፍ ንኸነቕርብ ዘኽእለና መንገዲ ምድላይ ግንድ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣብ ከባቢ ቤኒ ንዝርከቡ 1750 ኣባይቲ ስድራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ጎማ ንዝተመዛበሉ ሰባት፡ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሮም ዓመጽቲ ኤም23 ኣብ ስልጣን ዝጸንሑሉ፡ ካብ ሆላንድ ሓገዝ ከም ዝኣተወን፡ እቲ ብሓቂ ዘድሊ ግን- ይብል -ጃስቲን፡ "ሰላም ምርካብ እዩ፡ ምኽንያቱ ሽዑ ጥራይ እዩ መግቢ፡ ልምዓት፡ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ክህልወና ዝኽእል፡ ኣብዚ ጉዕዞ ድማ ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ወሳኒ እዩ። ትኽረትና ድማ ኣብቲ ዕለት 30 ጥቅምቲ ኣብ ፓሪስ ዝተኣንገደ፡ ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪቃ ንሰላምን ብልጽግናን ዝተወፈየ ኣህጉራዊ ዋዕላ’ውን እዩ” እንክብል ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።