ድለ

ብራዚል፡ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝተኻየደ ስርሒት ሓለዋ ጸጥታን ሳዕቤናቱን ብራዚል፡ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝተኻየደ ስርሒት ሓለዋ ጸጥታን ሳዕቤናቱን  (ANSA)

ብራዚል፡ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝተኻየደ ስርሒት ሓለዋ ጸጥታን ሳዕቤናቱን

ኣብ ብራዚል ናይ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦራኒ ቴምፔስታ፣ እታ ከተማ ብሰፊሕ ስርሒት ሓይሊ ጸጥታ ኣንጻር ጉጅለታት ዕጸፋርስ ድሕሪ ዝተፈጥረ ኵለ መዳያዊ ነውጺ፣ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ምክልኻል ህይወት ደቂ ሰባትን ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ካብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ርእሰ ሰበኻታት ዘውጸኦ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ብመሰረት ዳሕረዋይ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ ሰሜናዊ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ኣብ ዝርከብ ክቱር ድኽህነት ጎሊሑ ዝረአየሉ ክፋል እታ ከተማ ዝተኻየደ ሰፊሕ ስርሒት ሓይሊ ጸጥታ ብውሕዱ 130 ሰባት ከም ዝሞቱን እቲ "ምዕቃብ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርሒት፡ ኣብ ታሪኽ እታ ከተማ እቲ ዓቢ ዕግርግርን ደማውን ዘመተ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ ናይቲ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ስርሒት ኣብ ግዝኣት ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝርከብ ቀንዲ ገበነይና ትካል ዝኾነ ጕጅለ ቀይሕ ትእዛዝ (Comando Vermelho) ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉን፡ እቲ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ኣጽዋርን ዝነጥፍ ጉጅለ ንምፍጥፋእን፡ ዘካይዶ ግዝኣታዊ ምስፋሕ ደው ንምባል ዝሓቀነ ስርሒት ሓይሊ ጸጥታ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጻውዒት ካርዲናል ቴምፐስታ

ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ሰበኻታት ሪዮ ዲ ጃኔሮ ብፁዕ ካርዲናል ኦራኒ ዥዋው ቴምፐስታ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽዎ መግለጺ “ዘሕደረሎም ብርቱዕ ሓዘን” ገሊጾም፡ “ዓመጽን ፍርሕን ንልቢ ከተማና ከም ዝቖሰለን ካብ ብዙሓት ኣባይቲ ሰላም ከም ዝመንዘዐን” ኣስሚሮም፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት፡ "ጽልኢ ከነብርኽ ወይ ብዘይተገዳስነት መልሲ ክንህበሉ ኣይንኽእልን። ሓባራዊ ነፍሲ ምድላይ፡ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ፍጹም ክብርታት እዮም፡ ህይወት ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ቅዱስ ህያብ ስለዝኾነ ኩሉ ግዜ ክሕሎን ክኽበርን ኣለዎ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፣ ካርዲናል ቴምፐስታ ንህዝቢ ሪዮ ዲ ጃኔሮ እውን “ከም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ መጠን፡ ገበርቲ ሰላም ክንከውን፡ ነቲ ማሕበራዊ ኣካሊት ዘበላሽው ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ዘይምግዳስን ክንስዕር ተጸዊዕና እሎና። ንዕርቂ፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንሓለዋ ህይወት፡ ምድንፋዕ ፍትሒ፡ ከምኡ’ውን ምህናጽ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ድማ ናይ ድኻታትን ተቓላዕትን ዝከላኸል ሰላማዊ ሕብረተሰብ ክንጥርንፍ ህጹጽ እዩ። ኣብ ቅድሚ ህውከት እውን እንተዀነ፡ ፍቕርን ሰናይን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓመጽ ከም ዝሓየለ ኣጸቢቐ እኣምን። ጐይታ ሕይወት፡ ንልብና ይለውጥ፡ ቁስሊ ዓመጽ ይፍውስ፡ መጋበርያ ሰላሙ ይገብረና” ከም ዝበሉ የመላኽት።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቅን ጽገናን ይጽውዕ

ላዕለዋይ ሓላፊ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ ኣብ ብራዚል ሰፊሕን ውጽኢታውን ተሓድሶ መምርሕታት" ክትገብር ተማሕጺኑ፡ "ከም ጕጅለ ቀይሕ ትእዛዝ (Comando Vermelho) ዝኣመሰሉ ዓመጸይናታትን ብግቡእ እተወደቡ ገበነይናታትን ጕጅለታት" ምቅላስ፡ ሰላምን ምርግጋእን ዜጋታት ውሑስ ምግባር ዘለዎ ብድሆታት ኣፍልጦ እኳ እንተ ሃበ፡ "እቲ ብዙሓት ሰባት ንሓደጋ ሞት ዘቃልዕ ስርሒታት ሓይሊ ጸጥታ" ዝፍጸመሉ ኣገባብ ት ሕቶ ዘበግስ እዩ - ቢሉ - ንብራዚል "ነቲ ኸቢድ ጭካነ ዝመልኦ ዑደት ክትሰብሮን ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር እትጥቀመሉ ሕግታት ኩሉ ምስ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ሓይሊ ከም ዝሰማማዕ ከተረጋግጽ፡ ብዛዕባ እቲ ስርሒት ሓይሊ ጸጥታ "ናጻን ውጽኢታውን መርመራታት" ክግበር ከምኡውን ነቶም እተጐድኡ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን "ፍትሕን ካሕሳን ንኽረኽቡ" ዘኽእሎም ሜላታት ክፍጠር ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ "ዘርአይናነትን ኣድልዎን ምጕዳል ፍትሕን ዘቕጽል ስርዓት ደው ንምባል ግዜኡ ኣኺሉ ኢዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

መግለጺ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ኵሉ ካብ ኣመሓዳሪ ክላውድዮ ካስትሮ እውን መብርሂ፡ ናይቲ ስርሒት ዝርዝር ጸብጻብ፣ ኣጠቓቕማ ሓይልን ንባይቲ ስድራን ግዳያትን ሓገዝን እውን ከም ዝሓተተን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ርእሰ ብሔር ሉዊስ ኢናስዮ ሉላ ዳ ሲልቫ፡ “ዝተወደበ ገበን ንኣባይቲ ስድራ ከጥፍእ፡ ነበርቲ ክጭፍልቕን ኣብ መላእ ከተማታት ዕጸ ፋርስን ዓመጽን ከስፍሕ ትም ኢልና ክንርኢ ዘይቅቡል እዩ፡ ንኣዘዝትን ሓለፍትን ሓለዋ ጸጥታን ህጻናትን ንጹሃት ኣባይቲ ስድራን ኣብ ሓደጋ ከየእተኻ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ንምውቃዕ” ምስ ሓይልታት ጸጥታ “ዝተዋደደ ጻዕርታት” ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜናቭ ኣቲካን ኣፍሊጡ።

31 Oct 2025, 15:31