ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት፡ ጸለመ ደው ይበል!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ገምጋም ባንኪ ዓለም ካብ ሰነ 2025 ኣትሒዙ ክቱር ድኽነት ብ125 ሚልዮን ሰባት ወሰኸ ከም ዘርኣየ የመላኽት። እዚ ማለት ድማ ነቲ ትሑት መዓልታዊ እቶት ግምት ዝሃበ ኮይኑ፡ ዕለት 17 ጥቅምቲ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩ 838 ሚልዮን ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ምህላዎም ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት ጐሊሑ ኣሎ።
ዝለዓለ መስመር ድኽነት
ኣብ ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት ዝቕባበን ሃገራዊ ትርጉማት ድኽነትን፡ ኣህጉራዊ መስመር ድኽነት ክብ ክብል ምኽንያት ኮይኑ ከም ዘሎን፡ ናይዘን ሃገራት መስመራት ድኽነተን እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ድማ፡ እቲ ኣህጉራዊ መስመር እውን ክብ ይብል። ከም ውጽኢቱ ድማ ባንኪ ዓለም ብዛዕባ ጽንኩር ድኽነት ዝገመቶ ግምታት ክቕየር ይገብሮ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት ኣብ 2022 ካብ 713 ናብ 838 ሚልዮን ከም ዝለዓለን፡ እዚ ኣንፈታት ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሉ፡ 8.9% ካብ ህዝቢ ዓለም ክሳብ 2030 ገና ኣብ ክቱር ድኽነት ክወድቕ ምዃኑ እዩ ዘመላኽት።
ካብ ሓደ ንላዕሊ ረቛሒታት
ድኽነት ኣብ ሓደ ረቛሒ ወይ ካልእ ዝተመስረተ ኣይኮነን። ከምቲ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዘስመረሉ “ድኽነት ውልቃዊ ውድቀት ኣይኮነን፤ ስርዓታዊ ውድቀት እዩ - ክብርን ሰብኣዊ መሰላትን ምኽሓድ እዩ።”
ባንኪ ዓለም ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ኣብ ምንካይ ድኽነትን ዝግበር ጻዕርን ዘይማዕርነትን ብኸመይ ዓቢ ሓደጋ ከም ዘስዕብ እውን የጒልሕ። ሎሚ ንሓደ ኻብ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ህይወቱ ከቢድ ኵነታት ኣየር ኬጋጥም ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ኣብ መነባብሮኦም ዓብዪ ዕንቅፋታት ኬጋጥሞም ከም ዝኽእልን፡ ስለዚ ድማ እዚ ኵነት እዚ ድኽነት ንምቕናስ ንዚግበር ጻዕርታት ኣጸቢቑ ይጐድእ።
ንሰባት ካብዚ ከቢድ ኵነታት ኣየር ምዕቋብ ኪበሃል እንከሎ፡ ኣብ መጻኢ ዜጋጥም ሓደጋታት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንኸይውስኽ ብምክልኻልን ንሓደጋ ናይ ምቍጽጻር ኪደት ብምምሕያሽን ተነቃፊ ምዃን ምንካይ ማለት እዩ።
ናብ ምውጋድ ድኽነት ምጉዓዝ
ዕለት 17 ጥቅምቲ መዓልቲ ምፍጥፋእ ድኽነት ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት መርሓ ግብሪ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ድኽነት ንምውጋድን ንማሕበረሰባዊ ምዕባለ ንምድፋዕን ዘለዎ ተወፋይነት ከም ዘሐደሰን፡ ናይ 2025 ዓመተ ምሕረ መዓልቲ ምጥፋእ ድኽነት መርሕ ቃል፥ “ንኣባይቲ ስድራ ኣኽብሮትን ውጽኢታዊ ደገፍን ብምርግጋጽ ማሕበራውን ትካላውን ማህሰይቲ ምጥፋእ" ዝብል ከም ዝነበረን እዚ መርሕ ቃል እዚ ድማ ንኽብረት ነፍሲ ወከፍ ስድራቤት ምሕላው ኣድላዪ ምዃኑ ዘጒልሕ እዩ።
ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ኣባይቲ ስድራ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከምዚ ኩነታት ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ንምሕጋዝ ኣብ ዝዓለመ ቦታታት ከም ኣብያተ ጽሕፈት ድሕነት: ስርዓታት ሓለዋ ህጻናትን ኣባይቲ ሕክምናን ጸለመ የጋጥም።