ድለ

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ሕቡራት ሃገራት ትነጽግ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ሕቡራት ሃገራት ትነጽግ 

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንውሳነ ተኹሲ ደው ምባል ሕቡራት ሃገራት ትነጽግ

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ቅልጡፍን ቀዋምን ተኹሲ ደው ክብልን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ዝጠልብ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝነገጸገቶ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቓዛ ቅልጡፍን ቀዋምን ተኹሲ ደው ምባልን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ዝጠልብ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝቀወፈቶ ክሕበር እንከሎ፣ ድሕሪ ምጅማር እቲ ግጭት መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዚ ዓይንት ስጉምቲ ክወስድ ንሻድሻይ ግዜኡ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ብኹሎም ካልኦት 14 ኣባላት ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ውሳነ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ቓዛ “ኣዕናዊ” ክብል ብምግላጽ፡ እስራኤል ኣብ ኣወሃህባ ሓገዝ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕል ዝሓትት እውን ምዃኑ ይንገር።

ምስፋሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል

እቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ኣኼባ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ኣብ ከተማ ቓዛ መስመራት ኣድሕን ህይወት ሰላማውያን ሰባት በቲ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ እስራኤል ምሉእ ብምሉእ ይብተኽ ከም ዘሎ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ኣስታት 11 ሽሕ ሰባት ዝነብሩሉ 11 ህጹጽ መዕቆቢታት ቀጥታዊ ይኹን ብተዘዋዋሪ ከም እተጎድአ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (OCHA) ከም ዝሓበረን፣ ማሕበራት ሰብኣዊ መሻርኽት ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ተኹሲ ደው ምባል ካብ ዝፈርስ ንደሓር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉ ኣመላኺቱ፣ ክሳብ ዕለት 17 መስከረም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 200 ሽሕ ሰባት ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ቓዛ ከም ዝሃደሙ የረጋግጽ።

22 Sep 2025, 16:17