ድለ

School year starts in Ukraine amid Russian invasion School year starts in Ukraine amid Russian invasion  (ANSA)

ብሰንኪ ምንካይ ቁጠባ ኣብ 2026 ኣስታት 6 ሚልዮን ዝኾኑ ቈልዑ እድል ትምህርቲ ኣይክረኽቡን ኢዮም

ማሕበር ሃልዮ ሕጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ንትምህርቲ ዝወሃብ ገንዘብ ካብ 2023 ብ24 ሚእታዊት ክንኪ ኢዩ ይብል፣ እዚ ኸኣ ቍጽሪ ናይቶም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽቡ ቘልዑን ህጻናትን ናብ 278 ሚልዮን ክብ ከም ዘብሎ ወይ ውን ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጀርመንን ኢጣልያን ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ብሓንሳእ ከም ዝዳኸም ክገብሮ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት እቲ ማሕበር ሃልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘመሓላለፎ ሓድሽ መጽናዕቲ፣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝውዕል ቍጠባ ኣመና ስለ ዝነከየ፣ ኣብ መወዳእታ 2026 ኣስታት 6 ሚልዮን ዚዀኑ ቘልዑ ዕድል ትምህርቲ ክንፈጎም ዝኽእሉ ኢዩ፣ ካብዚኣቶም ሓደ ሲሶ ኣብ ብሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታት ሓገዝ ዝግበረሎም ዘሎ ክኾኑ ኢዮም።

እቲ ንትምህርቲ ዚወሃብ ወግዓዊ ሓገዝ ሰብኣዊ ምዕብልና ብ3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኺንኪ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ምስ ናይ 2023 ዓ.ም. ጸብጻብ ክነጻጸር እንከሎ ብ24 ሚእታዊት ነክዩ ርክበ ኣሎ። በዚ ኸምዚ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዕድል ትምህርቲ ዘይረኽቡ ቘልዑን ህጻናን ካብ 272 ሚልዮን ናብ 278 ሚልዮን ክብ ክብል ኢዩ እዚ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጀርመንን ኢጣልያን ዝርከብ መባእታዊ ቤት ትምህርትታት ከም ዝዕጾ ክገብሮ ኢዩ።

ኣመሓዳሪ ማሕበር ሃልዮ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካተሪን ራስል ከም ዝገለጾ "ካብ ጽላት ትምህርቲ ዝጐድል ነፍሲ ወከፍ ዶላር ናይ ባጀት ውሳነ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንመጻኢ ቘልዑን ህጻናትን እውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኢዩ" ብምባል ኣመልኪቱ ። ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ህጹጽ ኵነታት ንቘልዑን ህጻናትን መድሕን ህይወት ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይገልጽ። ኣብያተ - ትምህርቲ ምስ ከም ክንክን ጥዕናን ድሕነትን ምግብን ዝኣመሰለ ኣገልግሎት የተሓሕዝዎ እዮም” ድሕሪ ቢሉ ወሲኹ ድማ “ቈልዑ ኻብ ድኽነት ንኼምልጡን ዝሓሸ ህይወት ንኺሃንጹን እውን ዝበለጸ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ" በለ።

ልዕሊ ዅሉ ኣብ ሓደጋ ዘለዋ ሃገራት

ማሕበር ሃልዮ ህጻናት ው.ሕ.ሃ. ዩኒሴፍ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ፣ ዳርጋ 2 ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ዕድል ስለ ዝሰኣኑ ምዕራባውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ቍጠባዊ ድኽመት ዘስዓቦ ከቢድ ጕድኣት ከውርደሎም ኢዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እውን 1.4 ሚልዮን ዝዀኑ ቘልዑን ህጻናትን ዕድል ትምህርቲ ዘይረኸቡ ቍጽሮም ክብ ክብል ከም ምዃኑ ውን እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ዕስራን ሸሞንተን ሃገራት "እንተ ወሓደ ርብዒ ናይቲ ኣብ ኣጸደ-ህጻናትን መባእታዊ ደረጃ ትምህርትን ከምኡውን ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲን ዝምርኰሳሉ ትምህርታዊ ደገፍ" ክስእና ከም ምዃነን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኣይቮሪ ኮስትን ማሊን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚምዝገቡ ተመሃሮ ናብ 4 ሚእታዊት ኪንኪ ስለ ዝተራእየ፣ ገለ ኻብተን ኣብ ሓደጋ ዝኣትዋ ሃገራት ክኾና ኢየን።

መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ሥነ ትምህርቲ ቕልውላው ኣጋዲድዎ ይርከብ ኣሎ፣ ነቶም ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዝረኽብዎ ኣታዊ ብገምጋም 164 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ኸም ዘኽፍሎም ዝገብር ውን ክኸውን ኢዩ።

ትምህርቲ ጥራይ ግን ኣይኰነን

ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ዘጋጥመለን ዘሎ ሃገራት፣ ሥነ ትምህርቲ ማለት ካብ ምምህርና ንላዕሊ ኢዩ ። ንቘልዑን ህጻናትን "ህይወት ዘድሕን ደገፍ፣ ርግኣት ከምኡውን ነቶም በሰላ ዝወረዶም ቈልዑ ውን ንቡር ኰይኑ ከም ዝስምዖም" ዝገብር ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢታት ድማ  ዳርጋ ብ10 ሚእታዊት ክቕንስ ዝከኣል ኢዩ ።

ንኣብነት እዚ ማሕብር ሃልዮ ህጻናት ነቲ ኣብ ሮሂንጃ ዘጋጠመ ኩነትን፣ ነቲ ንስደተኛታት ዘጋጥሞም ዘሎ ቅልውላው ብምድጋፍ ኣስታት 350,000 ቈልዑ፣ ንነዊሕ እዋን መሰረታዊ ትምህርቲ ስለ ዝሰኣኑ ኣብ ሓደጋ ኢዮም ዘለዉ። ማሕበር ሃልዮ ቘልዑን ህጻናትን ው. ሕ. ሃ. ከም ዝገለጾ "ህጹጽ ናይ ሓገዝ ገንዘብ እንተ ዘይተረኽበ ማእከላት ትምህርቲ ዝከኣል ኢዩ፣ እዚ ድማ ንምዝመዛ ቘልዑን ህጻናትን፣ ንሸቕሊ ሕጻናትን ከምኡውን ንግዲ ደቂ ሰባትን እተቓልዑ ክገብሮም ኢዩ" ብምባል የመላኽት።

ከም መደባት ምግቢ ዝኣመሰለ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት፣ ንልዕሊ 50 ሚእታዊት ናይ ገንዘብ ምንካይ ከምኡውን ንትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ባጀት ኣጸቢቑ ከም ዝነከየ ውን ይግመት ።

እዚ ምንካይ እዚ እውን ሳዕቤናት ኣለዎ ፣ እዚ ኸኣ ነቲ መንግስትታት ኣብ ሓበሬታ ተመርኲሰን ትምህርታዊ መደባት ናይ ምውጻእ እጥናተን ምብልሻው፣ ንዕቤት መምህራን ደገፍ ምስኣን ከምኡውን ውጽኢት ትምህርቲ ናይ ምቍጽጻር ድኽመታት ከስዕብ እዩ ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ክምዝገቡ ዝኽእሉ ቘልዑን ህጻናን እውን ከይተረፉ "እንተ ወሓደ 290 ሚልዮን ተማሃሮ ኣብ መላእ ዓለም እናነከየ ክኸይድ፣ ትጽቢት ዝግበረሎም እተሓዋወሰ ትምህርቲ" ከጋጥሞም ይኽእል ኢዩ።

ንደቅና ሓግዞም፣ ንመጻኢ ድማ ነውሕስ

ማሕበር ሃልዮ ህጻናት ነተን ለጋሳ ዝዀና ሃገራትን መሻርኽተንን ነቲ ናይ ትምህርቲ ረድኤት እንደገና ሚዛኑ ምሕላውን ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዛት ትምህርቲ ምድጋፍን ሓዊስካ ተኸታታሊ ስጕምትታት ብምውሳድ ንትምህርቲ ንምውሓስ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽወስዳ ተማሕጺኑ ኣሎ ።

ከምቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ሃልዮ ህጻናት ራስል ዝበሎ "ኣብ ሥነ ትምህርቲ ቘልዑን ህጻናትን ገንዘብ ምውፋር፣ ሓደ ኻብቲ ንዅሉ ሰብ ኣብ መጻኢ ኽንገብሮ ዝኽእል ዝበለጸ ወፍሪ እዩ" ክብል ውን ምሕጽንታ የቕርብ።

05 Sep 2025, 12:15