ድለ

ሕቡራት ሃገራት፡ ዑደታት ዓመጽ ኣብ ቅድስቲ መሬት 'መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ሓደጋ ዝመርሕ እዩ!” ሕቡራት ሃገራት፡ ዑደታት ዓመጽ ኣብ ቅድስቲ መሬት 'መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ሓደጋ ዝመርሕ እዩ!” 

ሕቡራት ሃገራት፡ ዑደታት ዓመጽ ኣብ ቅድስቲ መሬት 'መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ሓደጋ ዝመርሕ እዩ!”

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ እቲ ኣብ ቓዛ ብዘይ ምቁራጽ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ መዋጽኦ ናብ ዘይብሉ ሓደጋ ዝድርኽ ምዃኑ የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬሽ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ቀታሊ ዓመጽ፣ ናብ "መዋጽኦ ዘይብሉ ኣንፈት" ክበጽሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ፣ ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዘሎ ግጭት ክልተ መንግስታት ዝብል መፍትሒ ንሓደጋ ዘቃልዕ ምዃኑ ኣብሪሁ፣ ዑደታት ዓመጻ እንኮላይ መጥቃዕትታት ጸንፈይናታት ሰፈርቲ፣ ነቲ ዘይሕጋዊ ወራር እስራኤል ኣደልዲልዎን ነቲ ዞባ ድማ "ናብ መዋጽኦ ዘይብሉ ሓደገይና ኣንፈት ከብል ዝድርድኽ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እስራኤል ዘጽደቐቶ ውሳነ፣ ንምዕራባዊ ገማግም ዞባ ዮርዳኖስ ዝኸፍልን ንመጻኢ መንግስቲ ፍልስጥኤም ከም ዜጥፍእን እዩ እንክብል ኣጠንቂቑ፣ "ሰፈራታት እስራኤል ፖለቲካዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኮነስ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ብግህዶ ዝጥሕስ እዩ - ቢሉ - ፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ ኣብ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ዘበገሰኦ ልዑል ደረጃ ዘለዎ ዋዕላ እንደገና ክጅመር ምግባረን ንኢዱ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ንመንግስቲ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ኣብ ምሃብ ዝረአ ዘሎ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ውሳነ ሓንጐፋይ ኢሉ ብምቕባል፣ ሃገራት ነዚ ኣፍልጦ እዚ ኼደልድላ ድማ ከም እተማሕጸነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ብዛዕባ መጻኢ ቓዛ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ እተመስረተ ኣገባብ ክህልዎ ጻውዒት ዘቕረበ ጉተረሽ፣ እዚ ድማ ዓሌታዊ ምጽናት ዝነጽግን ናብ መንግስትነት ዝወስድ ንጹር መገዲ ውሕስነት ዝህብን ኢዩ። ብሰፈርቲ - ኣስራኤላውያን ዝፍጸም ዓመጽን ምፍርራህን ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ እስራኤል ድማ ንውሳነታት ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ከተኽብር ከም እተማሕጸነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ፍትሓውን ነባርን ሰላም ብተወሳኺ ዓመጽ ዘይኮነስ፣ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ዝሓትቶ ክሌኣዊ ስነ ሜላዊ ዘተን ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግን ክብረት ኵሎም ሰባት ብምርግጋጽ ጥራሕ እዩ ዝህነጽ” ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ነቲ እስራኤል ኣትቈጻጸሮ ዘላ ምዕራባዊ ገማግም ክትግብቶ ከም ዘይፈቅድ ኣፍሊጡ። እዚ ፈጺሙ ኣይኪኸውንን እዩ" ከም ዝበለን ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ቓዛ ኣብ ስምምዕ ከም ዝብጻሕ ከም ዝገለጺ የመላኽት።

29 Sep 2025, 17:10