ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ብምጽናት ዓሌት ይኸስስ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ብምጽናት ዓሌት ይኸስስ 

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ብምጽናት ዓሌት ይኸስስ

መርመርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ደጊሞም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካ

መርማሪ ሽማግለ ሕቡራት ሃገራት፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ፈጺማ እንክብል ሰበስልጣን እስራኤል ዝሃብዎ መግለጺታት ከም መርትዖ ብምጥቓም እውን ሰፊሕ ዕንወትን ከም ፈጺማ እንክብል ክሲ ከም ዘቕረበ ተሓቢሩ።

እቲ ዕለት 16 መስከረም ዝተዘርግሐ ጸብጻብ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም. ምስ ሓማስ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ካብቶም ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ምጽናት ዓሌት ተባሂሎም ዝተገልጹ ሓሙሽተ ተግባራት ውሽጢ ነቶም ኣርባዕተ ከም ዝፈጸሙን  እቶም ተፈጺሞም ዝበሃሉ ኣርባዕተ ገበናት ምጽናት ዓሌት፡ ምቕታል፡ ከቢድ ጕድኣት ምስፋሕ፡ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዅነታት ምፍጣርን ምውላድ ምክልኻልን ዝብሉ ምዃኖም እቲ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ የመላኽት።

እቲ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ መራሕቲ እስራኤል ዝሃብዎ መግለጺታትን ወተሃደራዊ ኣካይዳን ንምጽናት ዓሌት ዝዓለመ ምልክታት ምዃኑ እንክሕብር፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ርኽበት ብምንጻግ፡ ነቲ ጸብጻብ “ዝተዛበዐን ሓሶትን - ቢሉ - እቲ ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 'ናይ ሓማስ ናይ ሓሶት ሓበሬታ' ዝተመርኮዘ እዩ እንክብል ንኣባላት እቲ ሽማግለ ብወገናውነት ከምዝኸሰሰን፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝጀመረት ድሕሪ’ቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝምራሕ ጉጅለ ዕጡቓት ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣስታት 1200 ሰባት ዝቐተለሉን 251 ጅሆ ምስ ገበረን ምዃኑ ሰብ መዚ እስራኤል እንሕብሩ፣ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 64,905 ሰባት ከምዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና እንከመላኽት፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ዝቐረቡ ኣሃዛት ብሓፈሻ ዘተኣማምን እዩ እንክብል፣ እቲ ኲናት ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ቓዛ የመዛብል ከም ዘሎን ልዕሊ 90% ኣባይቲ ከምዝተሃሰየን ወይ ከምዝዓነወን ዝግመት ኮይኑ፣ መሰረታዊ ትሕተ ቅርጺ ከም ዝፈረሰ ይሕብር፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ክኢላታት ኣብ ከተማ ቓዛ ዓጸቦ ኣሎ ዝብል ኣዋጅ ኣቕሪ፣ ሓይልታት እስራኤል ዕለት 16 መስከረም ኣጋ ምሸት ንከተማ ቓዛ ብኸቢድ ከም ዝደብደበን ዘ ጀሩሳሌም ፖስት እተሰምየ ናይ እስራኤል ዕለትዊ ጋዜጣ  ከምዝጸብጸቦ ኣብታ ዕለት እቲኣ ኣጋምሸት ናይ መሬት ወራር ከምዝጀመረ ይሕብር።

17 Sep 2025, 16:28