ድለ

LATVIA-PALESTINIAN-POLITICS-DIPLOMACY LATVIA-PALESTINIAN-POLITICS-DIPLOMACY  (AFP or licensors)

ሚኒስተር ወጻኢ ሃገር ፍልስጥኤም ፦ 'ሰላም ይከኣል እዩ ፍትሒ እውን ኪዕወት ይኽእል እዩ '

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፍልስጤም፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ንሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይን ርክባት ናብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ ከተካይዶ ዝጸንሐት ዑደት፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ምስ ሰበ-ስልጣን ቅድስቲ መንበር ተራኺባ። ኣብ ከተማ ሮሜ ኣብ ዝጸንሓትሉ እዋን ድማ ነቶም ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ሃገረ ኢጣልያን ቅድስቲ መንበርን ይእለዩ ዘለዉ ፍልስጥኤማውያን ቈልዑ ንምብጻሕ ግዜ ረኸበት ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ኻብቲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፍልስጤም ቫርሰን ኣጋበኪያን ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ኢጣልያ ዝገበረቶ ምብጻሕ ጐሊሑ ዝርአ ጕዳይ፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዘካየደቶ ኣኼባን ከምኡውን ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገራዊ ምምሕዳር ፍልስጥኤምን ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ግብረ - ሰናይ ኣገልግሎታት ብዝምልከት ጕዳያት ምትሕብባሮም ንምድልዳል ኢዩ ዝንበረ።

ኣጋበኪያን ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያትን ስደተኛታት ሃገራዊ ምምሕዳር ፍልስጥኤምን ኢያ፣ ነቲ ኣብ ጋዛን ምዕራባዊ ገምገምን እንተላይ ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ዝቕስል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ድማ ምስቲ ልኡከ መንግስቲ ሃገረ ፍልስጤም ናብ ቅድስቲ መንበር ዝኾነ ኢሳ ካሲሲ ብምኾን ነዚ ዑደት እዚ ኣካየድት ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ውግእ ደው ከብልዎን፣ ሰብኣዊ ናይ ግብረ-ሰናይ ኣገልግሎታት ከፍቅዱ

ከም ዘለዎ ብምጕላሕ፣ ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከም ስዕረት ሰብኣውነት ገይሮም ኪገልጽዎ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ብዛዕባ እቲ ዅነታት ዓሚቝ ሻቕሎት ከም ዘለዎም ገለጹ።

ሚኒስተር ወጻኢ ሃገር ፍልስጥኤም ምስ ኢጣሊያዊ መዘንኣ ኣንቶንዮ ታጃኒን ምስ ካልኦት ኢጣልያውያን ሰበ-ስልጣንን ከምኡውን ምስቲ ንኢጣልያ እተመደበ ክልኡከ መንግስቲ ሃገረ ፍልስቴም ሞና ኣቡ ኣማራ ብሓባር ኰይኖም ንገለ ኻብቶም ኣብ ኣባይቲ ሕክምና ኡምበርቶ ፕሪሞ ሮማን ከምኡውን ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤተ ሕክምና ህጻናት ባምቢኖ ጀዙን፡ ቤተ ሕክምና ጀመሊን ዝእለዩ ዘለዉ ፍልስጤማውያን ህጻናት ብምብጻሕ ኣካይዶም።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፍልስጤም ቫርሰን ኣጋበኪያን
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፍልስጤም ቫርሰን ኣጋበኪያን   (ANSA)

ቅድሚ ካብ ኢጣልያ ምፍናዋ ኣጋበኪያን ናብ ሆስፒታላት እትገብሮ ምብጻሕ "ቈልዑን ስድራ ቤታትን ጥቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺስምዖም፣ ኣብዚ ጕዕዞኦም ብሓቂ ዝሓልየሎም ሰብ ከምዘሎ ንምርግጋጽን" ከም ምንባሩ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ገለጸት።

ንኣባሳደር ኣቡ ኣማራ ምስቶም ዝዕለዩ ዘለዉ ሕሙማት ብዝሓሸ መገዲ ንኸተላልዮ እውን ኣጋጣሚ ኸም ዝዀና ገለጸት - "ኣብቲ ዘካየደቶ ምብጻሕ ግን ምስቶም ተኣለይትን ስድራቤቶምን ኣብ ዝተሓሓዝ ጕዳያት ኣብ መንጎ ኤምባሲን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሃገራትን ጥቡቕ ምትሕብባር ክግበረልና ሓቲትና ኣሎና" በለት።

"ዝሓሸ ምትሕብባርን ዝሓሸ ስጕምቲ ንምስዓብን ጥቡቕ ምትእስሳር ክንምስርት ተሰማሚዕና ኢና" ውን በለት።

ሚኒስተር ኣጋበኪያን ኣስዕብ ኣቢላ ሃገረ ኢጣልያ ነዚ ሕጂ ዘሎ ቕልውላውን፣ ህጹጽ ኵነታትን "ብሰብኣዊ ናይ  ግብረ - ሰናይ ረድኤት ናይ መግቢ ረድኤት ከምኡውን ነቶም ሕሙማት ናብዚ ብምምጻእ" ስጕምቲ ከም ዝወሰዱ ውን ኣመልከተት ።

ኵሉ ናይ ሓድነት ስጕምቲ ኣድላዪ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ ድማ "ካብ ኵሉ ሰብ ብዙሕ ዘድሊ ነገራት ተቐቢልና ኣሎ፣ ናብ ቃዛ ዝበጽሕ ዝዀነ ይኹን ነገር ከኣ ኣብ ውቅያኖስ ከም ዝርከብ ነጥቢ ማይ ጥራይ ኢዩ" በለት።

ኩነታት ሕዝቢ ፍልስጤም ኣብዚ እዋን እዚ
ኩነታት ሕዝቢ ፍልስጤም ኣብዚ እዋን እዚ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዓለም እተዛረቦ ስነ-ምግባራውን መምርሒ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም ኣስዒባ ብዛዕባ እቲ ቅድስቲ መንበር ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት እትገብሮ ዘላ ተሳትፎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጸት ። እቲ ቅዱስነቶም እተዛረብዎ ቓላት ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝበጽሕ ውን ገለጸት ።

"ንፍልስጤማውያን ከም ዝድግፍ መልእኽቲ ገይርካ ምቕራብ ከምኡውን ኣብዛ ህውከት ዝመልኣ ዓለም እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ዝገልጽ ኣገዳሲ ‘ስነ-ምግባራዊ መምርሒ’ ምሃብ ኣድላዪ ኢዩ" በለት።

እታ ሚኒስተር ከምዚ ብምባል ኣረጋገጸት - "እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ኣብ ቃዛ ከምኡውን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ሓደገኛ ኢዩ፣ ደው ክብል ድማ ኣለዎ። መምርሒ ምእንቲ ክህቡና ከም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኣመሰለ ቓላት የድልየና እዩ" እውን ክትብል መስከረት።

ሚኒስተር ኣጋበኪያን ኣስዕብ ኣቢላ ምስቲ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝገበረቶ ርክብ "ኣዝዩ ሰናይ ኣኼባ ኢዩ ዝንበረ" ብምባል ገለጸቶ።

"ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛን ምዕራባዊ ገምገም ዮርዳኖስን ዘሎ ዅነታት ክርስትያናዊ ህላወ ቍጽሪ ክርስትያን ምእመናን እናነከየ ምኻዱ፣ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ምእመናን ዝግበር ምንቕቓሕ እንታይ ክግበር ከም ዘለዎን ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ሰላም ከምጽእ ከም ዝኽእል ወዘተ ተመያይጥና ኢና" በለት።

ምኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ሃገረት ኢጣንያን ፍልስጤም
ምኒስተራ ጉዳያት ወጻኢ ሃገረት ኢጣንያን ፍልስጤም

ሥነ መላዊ ዑደት

እዛ ሚኒስተር ወጻኢ ናብ እተፈላለያ ሃገራት ዝገበረቶ ምብጻሕ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ "ኣብ ጐድኒ እቲ ቕኑዕ ዝኾነ ኣቕዋም ደው ክብል" ንምሕታት ኢዩ ዝነበረ።

"ሎሚ እቲ ቕኑዕ ዝዀነ ኣቕዋም ሰባት ርእሰ-ውሳነ ናይ ምግባርን ኣህጉራዊ ሕጊ ናይ ምርካብን መሰል ክህልዎም ኢዩ" በለት፣ ኣስዕብ ኣቢላ ድማ ኵሎም ፍልስጥኤማውያን ኣህጉራዊ ሕጊ ክስዕብን ክእዘዝን ይሓትቱ ምህላዎም ገለጸት።

ወሲኻ ድማ "እዚ ኣብ ካልእ ሃገራት እንተ ዝኸውን ነይሩ" ኵለን ሃገራት "ንዓለምለኻዊ ሕግታትን ንሰብኣዊ መሰላትን ዝምልከት ኢዩ፣ ዝዀነ ኮይኑ ግን ሓንቲ ሃገር ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ተሰማሚዓ ኽትከይድ ኢዩ ዘለዋ " በለት።

እታ ሚኒስተር ከም ዝገለጸቶ መላእ ዓለም ዝዀነ ይኹን ነገር ምስ ተፈጸመ ወይ መን ከምኡ ይገብር ከም ዘሎ ብዘየገድስ 'ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን?' ኽትብል ኢና እንጽበ።"

ኣድላየነት ምቍራጽ ተኹሲ

ዝመጽእ ዘሎ ሰሉስ ካብ ከተማ ሮሜ ተበጊሳ እዛ ሚኒስተር፣ ኣብ ኣኼባ ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ንምስታፍ ናብ ካይሮ ክትከይድ ኢያ፣ ንሳ ድማ ንቕድሚት ብምጥማት መንግስታ "ከም ፍልስጤማዊት መራሒት መጠን ልዕሊ ዅሉ ቐዳምነት እንህቦ ነገር ህይወት ምድሓን ስለ ዝዀነ ነቲ ውግእ ደው ንምባል ምሕታት" ከም እትቕጽል ገለጸት።

ምኽንያቱ መዓልቲ መጸ በዚ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ እዚ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ይሞቱ ኢዮም ዘለዉ። ነባሪ ዝዀነ ሰላም ንምህናጽ ውግእ ደው ከነብሎ ብዘይ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ሓገዛት ውን ክንገብር ኣሎና" በለት።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ሚኒስተር ኣጋበኪያን ኣስዕብ ኣቢላ "ናብ ናጽነትና ኸም እንቐርብን ንሓላፍነትና ኣብ ምድሪ ኸም እንለብስን ዚገብረና ፖለቲካዊ መገዲ ክንሰርሓሉ ኣሎና" በለት።

'ተስፋ ምቝራጽ ኣብ መዝገበ-ቓላትና የልቦን'

እዚ ኸቢድ ብድሆታት እናሃለወ ኽነሱ "ንፍልስጤማውያን ተስፋ ምቝራጽ ኣብ መዝገበ-ቓላትና ስለ ዘይብልና፣ በዚ ኸምዚ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ" በለት።

"ኣብ መወዳእታ ቕኑዕ ዘበለ ኩሉ፣ ቕኑዕ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ ተስፋ ኽንገብር ኣሎና" ክትብል ውን ኣስኒዓ ተዛረበት።

ናይ ህዝብና ኣተሓሳስባ ይቀያየር ከም ዘሎን፣ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ወግዓዊ ፖሊሲ ይጸሉ ኸም ዘሎን ዘለዋ እምነት ክትገልጽ ከላ ድማ "ነዚ ሓንሳእን ንሓዋሩን ንምፍታሕ ዘሎና ኣተሓሳስባ ይቕየር ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ናይ መደምደምታ ስራሕና ማለት እዩ" በለት።

ዓለም ነቲ ኣብ ገማግም ጋዛ ዘሎ ዘስካሕክሕ ኵነታት ክትርእዮ ከሎ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ክውንነት ክትርስዖ ከም ዘይብሉ ድማ ኣጕልሐት።

"ብዛዕባ ዓመጽን ፖሊሲታት እስራኤልን ክንዛረብ ከለና፣ እዚ ፖሊሲ እዚ ኣብ ብምሉኡ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ዞባ ስለ ዘሎ፣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ብእተፈላለየ መልክዕን ቅርጽን ክተኣታቶ ንርእዮ ኣሎና - ኣብ ገማግም ቃዛ፣ እዚ ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕትታት እዚ ንዕዘብ ኣሎና፣ ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ዮርዳኖስ ድማ እዚ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ጥፍኣት እዚ፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዚፍጽም ዘሎ ዓመጻ እናወሰኸ ይኸይድ ስለ ዘሎ፣ መሬት ንምሓዝ ሰፈራታት ምዕናው እናወሰኸ ይኸይድ ውን ስለ ዘሎ ኢዩ" ክትብል ውን ኣጠንቀቐት።

እዚ ፖሊሲ እዚ እውን ተመሳሳሊ ምዃኑ ብምግላጽ፣ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት እቲ ተታሒዙ ዘሎ ዞባታት "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፍልስጤም ሓደ ዓይነት ዓመጻ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ" በለት።

ሰላም ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን

ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤም ሰላም፣ ኣብ ዝሰፍሐ ማእከላይ ምብራቕን ዓለምለኻዊ ሰላምን ክሳዕ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ ፈጺሙ ክዝንግዖ ዘይብሉ መሰረታዊ ምዃኑ ውን ኣስመረትሉ።

ወሲኻ ድማ ከምዚ በለት - "ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብቲ ዞባ ሰላም ብሓቂ ዝደሊ እንተድኣ ዀይኑ፣ ነቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ፍልስጤም ዝቈጻጸርዎ ዝነበሩ ቦታ ብምፍታሕን ብውሳንን ጥራይ ከም ምዃኑ ክርድኦ ኣለዎ። ሰላም ግን ናይ ግድን ክመጽእ እዩ" በለት።

ብዘይ ብእኡ ኸኣ "ካብቲ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ንላዕሊ ስቓይ ዝመልኦ ዑደት ዓመጻ ኺህሉ እዩ " በለት ።

ምስ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ኣዕራብ ክትራኸብ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ ሚኒስተር ኣጋበኪያን ነቲ ምድረ ገጻዊ-ፖለቲካ ዘለዎ ኣገዳስነት እውን እንክተመልክት "ሎሚ ሃገራት ኣዕራብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ሓድነት ኣለዎም፣ ብውልቂ ዀነ ብሓባር ኣንጻር ወጥርን ኣንጻር እቲ ትራፕ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ገማግም ባሕሪ ትልሚ ምግዓዝ ፍልስጥኤማውያን ኣቕዋሞም ከነጽሩ ኢዮም" ብምባል ርእይቶኣ ገለጸት።

ኣብዚ ግዜ እዚ ስዑዲ ዓረብ ቍጠባዊ ኽብደታን ስትራተጅያዊ ኣቕዋማን ዘለዋ ዀይና ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ እተገብረ ዋዕላ ሰላም ነቲ ጥምረት ሰላም ትመርሖ ኸም ዘላ ውን ገለጸት ።

መላሳ ዘይብሉ ይኣክል!

ኣብ መደምደምታ መግለጺኣ ድማ "በጃኹም ኣብ የማናይ ሸነኽ ታሪኽ ደው ንበል ። ሰላም ክርከብ ይከኣል ኢዩ፣ ፍትሒ እውን ክሰፍን ይኽእል ኢዩ፣ እዚ ግን መሰላት ፍልስጤማውያን ንምጥባቕን፣ ብወገን መንግስቲ እስራኤል ብሰላምን ፍትሕን ምእንቲ ኽነብሩ ምክብባርን ዘጠቓልል ኢዩ።"

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ፍልስጤም ኣጋበኪያን ይኣክል ምባል እኹል ምዃኑ ውን ኣጕልሐት፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበር ኣለዎ፣ መግዛእቲ ከኣ ንዘለኣለም ክቕጽል ኣይክእልን ኢዩ ከመይሲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጭቈና ዝወርዶም ህዝቢ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ይሃልዎም ብዘየገድስ ብቐጻሊ ክቃለሱ ኢዮም ክትብል መግለጺኣ ደምደመት።

05 Sep 2025, 12:05