እስራኤል ሕዝቢ ካብ ከተማ ቃዛ ክግዕዙ ትእዝዝ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 እስራኤል መጥቃዕቲ ቕድሚ ምጅማራ፣ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ከተማ ቃዛ ይነብሩ ከም ዝነብሩ ዝፍለጥ ኢዩ፣ እስራኤል ግና ንመብዛሕትኡ ኣባይትን ህንጻታትን እታ ከተማ ኣዕንያቶ ትርከብ ኣላ። መንግስቲ እስራኤል ንጉጅለ ሃማስ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዕጡቓት ጕጅለታት፣ ዛዛሚ መጥቃዕቲ ንምውራድ ተባሂሉ ዘውጽኣቶ ውጥን ከም እተካየድ ድሕሪ ምግላጻ፣ ንሰሙናት ዝኣክል ነቲ ትጽቢት ዝግበረሉ መጥቃዕቲ ክትዳሎ ጸኒሓ ኣላ።
ተቐማጦ ናብቲ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ባሕሪ ዚርከብ ኣል-ማዋሲ ኣብ ዚርከብ "ሰብ ዝነበሮ ዞባ" ክግዕዙ መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ፍልስጥኤማውያን ድሮ ኣብ ድንኳናት ተዓቚቦም ይርከቡ ኣለዉ።
ዝኸድኣሉ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ የለን
እቲ ትማሊ ሰሉስ ዝወጸ ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ፣ ኣብ መንጎ ተቐማጦ እታ ኸተማ ፍርሂ ከም ዘስዓበ እዩ ዚንገር፣ ንሳቶም ከኣ ካብ ደብዳባት ቦምብታትን ሓደገኛ ሰብኣዊ ቅልውላውን ንምምላጥ ዜተኣማምን ቦታ ኸም ዘየለ ይምስክሩ።
ኣብቲ ብዙሓት እተዓቑቡሉ ቦታታት ሕማም መንሽሮ ብምእታዉ ኣብ መጻወድያ ኸም ዘለዉ ይዛረቡ።
ጻዕርታት ሽምግልና ፈሺሉ ይርከብ
እስራኤል ኣብ ከባቢታት ፍልስጥኤም ንኽልተ ዓመት ዝወሰደ ወራር፣ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣንስትን ቈልዑን ዝርከብዎም ልዕሊ 64,500 ሰባት ቀቲላ ትርከብ፣ ተዓዘብቲ ከም ዝምስክረዎ ድማ እቲ ኣብ ከተማ ቃዛ ዝወርድ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንህይወት ማእለያ ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ምዃኑ የጠንቅቑ።
እስራኤል ነቲ ዝቐረበላ ክሲ ድሕሪ ምንጻግ፣ እቲ ብዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ብዕጡቓት ሃማስ 1,200 ሰባት ዝቐተለን 251 ሰባት ጅሆ እተታሕዙሉን መጥቃዕቲ ናይ ርእሰ-ምክልኻል መሰል ከም ዘለዋ ክትጠቅስ ትርከብ ኣላ።
ነዚ ዛዛሚ ውጥን እስራኤል ተባሂሉ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ደው ንምባል ኣብ ሽምግልና ዝግበር ጻዕርታት ተስፋ ተገይሩ እኳ እንተ ነበረ፣ ተንተንቲ ከም ዝገለጽዎ ግን እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ እስራኤል፣ ነቲ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ደው ንምባል ዝግበር ጻዕርታት ከጋድዶ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ ዘሎ ዕዮ ኻብ ምውዳእን ንሓማስ ካብ ምስዓርን ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኸም ዘይብላ ኣመልከተ። ሓማስ ናጻ መንግስቲ ፍልስጥኤም እንተ ዘይተመስሪቱ ኣጽዋር ከም ዘየራግፍን ነቲ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ ድማ ንዅሎም ጅሆ ሒዝዎም ዘሎ ሰባት ነጻ ከም ዘየወጽእ ገሊጹ ኣሎ።
(ምንጪ ሮይተርስን ካልኦት ትካላትን)