ድለ

ቓዛ፡ ወተሃደራት እስራኤል መጥቃዕቲ የስፍሑ ቓዛ፡ ወተሃደራት እስራኤል መጥቃዕቲ የስፍሑ 

ቓዛ፡ ወተሃደራት እስራኤል መጥቃዕቲ የስፍሑ

ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ዘካይዶ ዘሎ ናይ መሬት ወራር የስፍሕ ከምዘሎን፣ ኣብ ሓደ ተመዛበልቲ ዘዕቁብ ዝዓነወ ህንጻ ምሉእ ኣባይቲ ስድራ ሓዊሱ ዓሰርተታት ሰባት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ከምዝሞቱን እዚ ቀጻሊ ደብዳብ፣ ኣደራደርቲ ኣብ መንጎ እቶም ወገናት ናብ ስምምዕ ንምምጻእ ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ድማ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ኣብ ዘበስራሉ ወይ ዘረጋግጻሉ እዋን ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ከተማ ቓዛ ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ዘዕቁብ ህንጻ እስራኤል ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ 20 ሰባት ከም ዝሞቱ መብዛሕቲኦም ድማ ሰባት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከምዝኾኑ ይግለጽ። ብዙሓት ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ከም ዘለዎ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ ማእከላይ ከተማ ዛዋይዳን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስን ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን ብዙሓት ግዳያት ከም ዝኾኑ ይንገር።

ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ካብቲ እስራኤል ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ዓቢ ናይ ምድራዊ ስርሒት ገዛእ ርእሶም ንኸድሕኑ ከም ዝሃደሙን እዚ ስርሒት’ዚ ጥሜት የጋድድ ከምዘሎን ክኢላታት ይዛረቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ብእተካይዶ ዘላ ኲናት ዳርጋ 65,500ን ሰባት ከምዝቐተሉን፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ካብቶም ዝተቐትሉ ኣስታት ፍርቂ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣፍልጦ ንመንግስቲ ፍልስጤም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተኹሲ ደው ክብል ዝቐርብ ዘሎ ኣህጉራዊ ጸቕጥን ጻውዒትን እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎን ኣብ ጐድኒ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ሃገሩ ንፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህባ ከም ዝወሰነት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንሓማስ ንምንጻል እትኽእለሉ እንኮ መገዲ’ ንሃገረ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ምሃብ እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት መደረ ዘስምዑ መራሔ መንግስቲ እስራኤል ድማ ዕለት 26 መስከረም ምስ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ከም ኣተራኸበን ካብ ኣሜሪካ ክሳብ ዝምለስ ዝኾነ ይኹን ውሳነ ከምዘይወስድ ድማ ከም ዘፍለጠ ይንገር።

ኔታንያሁ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃቡ መራሕቲ ኮኒኑ፣ ንሳተን ድማ ፈረንሳ፡ ኣንዶራ፡ ቤልጅየም፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታን ሞናኮን ዝርከበኦ ኮይኑ፣ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃበን ዝገለጻ ወይ ዘረጋገጻ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ፖርቱጋልን ስዒበን፡ ነቲ ብቅድስቲ መንበር ዝድገፍ፡ ክልተ ሃገራት ዝብል ፍታሕ ብምድጋፍ ንሃገረ ፍልስጥኤም ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ዘረጋገጻ እየን።

21 ነጥቢ ዝሓዘ ውጥን ትራምፕ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ መደባት፡ መሪሕ ተደራዳሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣብቲ “21 ነጥቢ ዝሓዘ ናይ ትራምፕ ውጥን ንሰላም” ዝበሎ ንመራሕቲ ዓረብ ዝቐረበ፣ ተስፋ ከምዘለዎን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርዝር ናይቲ ውጥን ገና ከም ዘይገለጸቶን፣ እስራኤል ወይ ሓማስ ይቕበሎ ኣይቀበሎ ከም ዘየፍለጠት ዜና ቫቲካን ይሕብ።

26 Sep 2025, 17:35