ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብዘጋጠመ ባርዕ ጃልባ ብውሕዱ 50 ሱዳናውያን ስደተይናታት ሞይቶም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት (IOM) ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ 24 ሰባት ሕክምናዊ ደገፍ ከምዝገበረን ብውሑድ 50 ስደተይናታት መብዛሕቲኦም ሱዳናውያን ዝርከብዎም ከም ዝሞቱ ገሊጹ፣ ስርዓት ሙዓመር ቃዛፊ ኣብ 2011 ዓ.ም. ካብ ዝወድቕ ኣትሒዙ፡ ሊብያ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ዝሃድሙ ስደተይናታት መተሓላለፊት መንገዲ ኮይና ኣላ። ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2025 ዓ.ም. ካብ 44 ሃገራት ዝመጹ ኣስታት 86 ሽሕ ስደተይናታት ኣብ ሊብያ ይነብሩ ከም ዝነበሩ እውን እቲ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት ይሕብር።
ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት
ብፍሉይ ትካል ምድሓን ደቂ ሰባት ማእከላይ ባሕሪ እተሰምየ ናይ ኢጣልያ ሰብኣዊ ትካል ብሕብረት ኤውሮጳ ብዝድገፉ ወተሃደራዊ ኣባላት ሊብያ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዝርዝር ዝገልጽ ሓድሽ መርትዖ ናብ ቤት ፍርዲ ሲቺሊያ ከም ዘቕረበን፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ - ሜዲትራኒያን ንዝርከቡ ስደተይናታት ዘድሕን ትካል፡ ብነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንነዊሕ እዋን ዝድገፍ ዝነበረ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣዘካኺሩ፣ እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብወተሃደራት ብርጌድ 111 ዝተባህለ ምስ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ትሪፖሊ ዝተኣሳሰር ሓይሊ ማእከላይ ባሕሪ፣ ናብ ባሕሪ ተደርብዮም ዝተባህሉ ዓሰርተ ስደተይናታት ዝምልከት ምዃኑ ይሕብር።