ድለ

ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ   (AFP or licensors)

ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ፡ ዋሕዚ ስደት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝነከየ ኣፍሊጡ

ካብ ሊብያ ዝብገሱ መስመራት እቶም ዝበዝሑ ጽዑቓት ኮይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ ይሕብር፡ እንተኾነ ግን ኣብተን ቀዳሞት 7 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ብሓፈሻ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣተዉ ሰባት ብ16% ምንካይ ከምዘመዝገበ ተገሊጹ። ብውሕዱ ሽሕ ሰባት ንማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝሞቱን። ጠንቂ ምንካይ ዋሕዚ ስደተይናታት እንታይ ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ሲቺሊያ ከተማ ኣግሪጀንቶ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ካሪታስ - ማሕበር ረድኤት ካቶሊካዊት ቤተ ክስቲያን ዋና ሓላፊ ቫለሪዮ ላንድሪ እንክሕብሩ፣ "ኣብ ሊብያን ቱኒዝያን ስርዓታት ምዕቃብ ዝሰርሕ ስለ ዝኾነ እዩ እንክብሉ ኣመላኺቶም፡ እዚ ግን መን ብዝኸፍሎ ዋጋ ግን?" ዝብል ሕቶ ዘቕርብ እዩ ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣቱ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተይናታት ኣብ ቀዳሞት 7 ኣዋርሕ 2025 ብ18% ከም ዝነከየን፡ ናብ 95,200 ኣሃዱ ከም ዝበጸሐን። እዚ ብመሰረት ናይ ወርሓ ጥሪ - ሓምለ ግዜ ዘጠቓልል መባእታዊ መረዳእታ ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ (Frontex) እዩ። ዋላ እኳ ኣብ ሰለስቲኦም መስመራት ማእከላይ ባሕሪ ጸቕጢ ልዑል እንተኾነ መብዛሕቲኦም ቀንዲ መስመራት ስደት ምንቁልቋል ኣርእዮም እዮም።

ዋሕዚ ስደተይናታት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ

ማእከላይ ዞባ ሜዲትራኒያን እቲ ዝበዝሐ ጽዑቕ መስመር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ካብ ሓሙሽተ ዘይስሩዕ መሳገሪታት እቶም ክልተ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ዘቕንዑ ምዃኖም ትካል ሓለዋ ዶባትን ባሕርን ኤውሮጳ ይሕብር። ዋላ እኳ ዋሕዚ ስደተይናታት ብሓፈሻ ምንቁልቋል የርእይ እንተሃለወ፡ እዚ መስመር እዚ ዳርጋ 36,700 ዘይስሩዕ ምስግጋራት ዘመዘበ ከም ዝኾነን፡ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2024 ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ብ9% ወሰኽ ከም ዘርኣየን መብዛሕቲኦም ድማ ዜጋታት ባንግላደሽን፣ ምስርን ኣፍጋኒስታን እዮም። እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ልዑል ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ የመላኽት፡ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ንማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ኣብ ካብ ዝፈተኑ 947 ሰባት ከምዝሞቱ ይግምት።

ጸብለልትነት ሊብያውያን ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት

ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ፡ "ሊብያ ቀንዲ መበገሲ ነጥቢ ኮይና ትቕጽል ምህላዋን፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ዋላ'ኳ ጸረ - ስደት ስርሒታት እንተተሓየለ፡ እቶም ኣሰጋገርቲ ንዞባዊ ዘይምርግጋእ መዝመዝትን ልዑል ውዳበ ዘለዎምን ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ" እንክብል፣ ካብቶም ዝበዝሑ ብስደተይናታት ተቐባልነት ዘለዎም መስመራት ብቱኒዝያን ኣልጀርያን ዝሓልፍ ብዙሕ መድረኻት ዘለዎ ጉዕዞን ብቱርክን ምዕራባዊ ባልካንን ዝሓልፍ ኣማራጺ መንገድታትን ይርከብዎም። ብመስመር ምዕራብ ኣፍሪቃ ዋሕዚ መጻእቲ ብ46% ከምዝነከየ፣ ኣብዚ ዓመት 11,600 ሰባት ከም እተረኽቡን፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ 175 ጥራይ ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ እዚ ምንቁልቋል እዚ ምስተን ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝመጹለን ሃገራት ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ብምትሕብባር ዝወሰድኦ ዝያዳ ጽኑዕ ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ዝተኣሳሰር እዩ። ብፍላይ ሞሪታንያ ምቁጽጻር ዶባት ኣሐይላ፡ ምክትታል ኣዕብያ፡ ናይ ስደተይናታት ናይ መቁጻጸሪ ስርዓት ዘሐየለት ምዃና ይሕብር።

ዘይተለምደ ህድኣት ኣብ ላምፔዱዛ

ትካል ሓለዋ ዶባትን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ ኣብ ደሴት ላምፔዱሳ ጸቕጢ ስደተኛታት ብዓቢኡ ከምዝነከየን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ርኡይ ምእታው ስደተይናታት ናብ ላምፐዱዛ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ዘጋጠመ ኮይኑ፣ ዕለት 7 ነሓሰ ሓያሎ ህጻናት ዝርከብዎም 49 ሰባት ካብ ቱኒዝያ ብመርከብ ላምፐዱዛ ከም እኣተዉን፣  "ናይ ሎሚ ዓመት ቁጽሪ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ስርዓተ ኣቀባብላ ብዝበለጸ ክሰርሕ ሓጊዙ እዩ” እንክብል ሓላፊ ጨንፈር ካሪታስ ኣብ ኣግሪጀንቲ ቫለሪዮ ላንድሪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፣ እቲ ጽቡቕ ወቕቲ ጀሚሩ ኣሎ፡ ንተወሳኺ ውሑዳት ኣዋርሕ ድማ ክጸንሕ እዩ፡ ስለዚ ነገራት ጌና ክቕየሩ ዝከእኣል እውን እዩ፣ ኩሉ ነገር በቲ ኣብ ካልእ ወገን ባሕሪ ብዘሎ ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክዓ ምድሪ ሚዛን እዩ ዝውሰን"። ህሉው ኩነታት ግን፡ ምኽንያታት ምንቁልቋል ዋሕዚ ስደተይናታት ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ኮይኑ ኣሎ፣ "ብሓቂ ኣብ ሊብያን ቱኒዝያን ዝሰርሑ ዘለዉ ስርዓታት መቆጻጸሪ ስደተይናታት ኣለዉ። ግን ብዋጋ መን? እንክብል ይሓትት።

ኣብ ባሕሪ ምድሓን ህይወት ይቕጽል

ኣብ ምዕራባዊ ማእከላይ ባሕሪ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ምድሓን ኣብ መንጎ 6ን 7ን ነሓሰ ብናይ ህጹጽ ሓገዝ "ደገፍ ህይወት" ኣቕራቢ መርከብ እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ እዋን እዚ  ብውሑዱ ዕስራ መሰነይታ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሓዊሱ 146 ሰባት ዝጻዓነት መርከብ ዕለት 10 ነሓሰ ናብቲ ዝተመደበ ውሑስ ወደብ ሳቮና ክትኣትው እያ። "ኣብ ማሕበረሰባትና" ይብል ቫለሪዮ ላንድሪ "ብዙሓት ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክመጹ ንርኢ፡ ብፍላይ ምስራውያን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ጥራይ ኣብ ኢጣሊያ የለውን። እዚ ስክፍታ ዝፈጥር'ዩ፡ ምኽንያቱ ብንጹር ቋንቋ ጣልያን ዘይዛረቡ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዮም ንኣሽቱ፡ ኣብ ኢድ እቶም ግጉያት ሰባት ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ዘለዎም መንእሰያት እያቶም። እዚ ድማ ነቲ ሱር ጠንቂ ስደትን ኤውሮጳ ነዚ ጸገም እዚ ንምፍታሕ እንታይ ወፍሪ ትገብር ከም ዘላ ዳግማይ ክንሓስበሉ ዝድርኽ ኣገዳሲ ህሞት ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ” ይብል።

09 Aug 2025, 17:20