ሞስኮ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ግጭት ንምቁራጽ ፑቲንን ትራምፕን ገጽ ንገጽ ከምዝራኸቡ ኣፍሊጣ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ፈተነ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ዝካየድ ዋዕላ ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብኽልቲኡ ወገናት ንዝመጽእ ሰሙን ኣብ መሬት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክካየድ ብግዝያውነት መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ። ክረምሊን ነዚ ስጉምቲ እኳ እንተገለጸ፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብቲ ኣኼባ ንኽሳተፍ ብተደጋጋሚ ንዝቐረቦ ሕቶ ግን ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን። መራሒ ዩክሬን፡ "እቲ ግጭት ከብቅዕን ጭቡጥ ፍታሕ ንምርካብ ዘኽእል እንኮ መገዲ ዋዕላ መራሕቲ" እዩ ቢሉ ይኣምን።
ሽምግልና ኣሜሪካ
ሩስያ ንኣሜሪካ ዘለዋ ክፉትነት ዝያዳ ነቲ ውጥረት ከጓሃህር ከም ዝኽእል ክንገር እንከሎ፡ እቲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ናብ ሞስኮ ዝገበሮ ምብጻሕ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ድማ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ቅቡል ዕድመ ከምዘቕረበን፣ ክረምሊን ነቲ ኣኼባ ምጽዳቑ እውን ነቲ ብዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተኣወጀ እገዳ ንግዚኡ ደው ዘበሎ ይመስል። እቲ መርገጺ ቭላድሚር ፑቲን እንታይ ክኸውን ምዃኑ ክርኢ ይጽበ ኣሎ።
ኣብ ሜዳ ዝካየድ ዘሎ ኲናት
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ኣብ ባይታ እተካይዶ ዘላ ገስጋስ ደው ከም ዘየበለትን፡ ነታ ኣብ መወዳእታ 2022 ሓይልታት ሩስያ ካብታ ኣንሳሒቦምላ ዝነበረት ርእሰ ከተማ ናይቲ ብተመሳሳሊ ስም እትጽዋዕ ዞባ ዩክሬን ዝኾነት ከተማ ኬርሰን ንምውራር ሓድሽ ፈተነ ከም ዝጀመሩን፣ ነታ ኣብ የማናይ ገምገም ሩባ ዲኒፕሮ እትርከብ ከተማ ኣብ ክልተ ንምምቃል ዝዓለመ ብተደጋጋሚ ኣብ ቁልፊ ትሕተ ቅርጽን መስመራት መራኸቢታትን ደብዳብ ከም ዘካየደትን፣ ንደሴት ከርሰን ኮራቤል ምስ መሬት ዘራኽብ ድልድል ዝሓለፈ ሰንበት ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስለ ዝተሃርመ፡ ኣብታ ደሴት ዝተረፉ ኣስታት 1800 ሰላማውያን ሰባት ካብቲ ቦታ ክወጹ ከም ኣተገዱ ይንገር።