ኣብ ሱዳን ልዕሊ 600,000 ቈልዑ ብሰንኪ ግጭት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ይርከቡ ኣለዉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብመሰረት እቲ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ውድባት ሰብኣዊ ረድኢት ሱዳን ዝወጸ ጸብጻብ፣ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ዓመጽን ዕንወትን ምፍንቓላትን ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ኰይኑ ኣሎ ክብል የመላኽት።
ዩኒሴፍ ሓልዮ ቈልዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብ ግዝኣት ሰሜናዊ ዳርፉር ብሰንኪ ለበዳ ሸሮኽ ልዕሊ 640,000 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ኣብ ሓደጋ ሞትን ሕይወትን ወዲቖም ይርከቡ ኣለዉ ክብል ይሕብር።
ቍጽሪ ሕሙማን ሸሮኽ ምውሳኹ
እቲ ቐዳማይ እዚ ሕማም እተረኽቦ ብዕልት 21 ሰነ 2025 ኣብ ከተማ ታቪላ ተመዝጊቡ፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኸኣ እዚ ጕዳይ ናብ ልዕሊ 1,180 በጺሑ ይርከብ ኣሎ፣ ካብዚኣቶም 300 ቈልዑ ኢዮም፣ እንተ ወሓደ 20 ሰባት በዚ ሕማም እዚ ከም ዝሞቱ ድማ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብታ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንእተመዛበሉ ሕዝቢ ሓንጐፋይ ኢላ እተቐበለቶም ከተማ ዳርፉር፣ እዚ ሕማም እዚ እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ኣብተን ሓሙሽተ ግዝኣታት ዳርፉር እንተ ወሓደ 80 ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ሸሮኽ ዳርጋ 2,140 ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
መጻኢና ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ
ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2025 ኣትሒዙ ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ዓመጽ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንህይወት ልዕሊ 640,000 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑን ህጻናትን፣ ብሰንኪ ግጭትን ሕማምን ጥሜትን ኣብ ናይ ህይወት ሓደጋ ኣእትይዎም ይርከብ ኣሎ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝቢ ናብ ታዊላ እኳ እንተ ሃደሙ፣ እቲ ግጭት ይቕጽል ኢዩ ዘሎ፣ እቲ ዅነታት ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ሕጽረት ምግቢ እኹል ጽሩይ ዝስተ ማይ እኹል መጽለሊ የብሎምን ከምኡውን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሕማም ብጣዕሚ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ግዝኣት ሰሜናዊ ዳርፉር ዝርከብ ሆስፒታላት ብቦምብታት ይድብደቡን ኣብ ጥቓ እቲ ግጭት ዚካየደሉ ዘሎ ዞባታት ዚርከብ መሳለጥያታት ክንክን ጥዕና ይዕጾ ከም ዘሎ ድማ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ይሕብሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሕክምናዊ ኽንክን ንምርካብ ዘሎ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ድሩት ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዚነብሩሉ ኸባቢታት ሕማም ሸሮኽን ካልእ ቀታሊ ሕማማትን እናኣስፋሕፍሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ብመሰረት እቲ ዩኒሴፍ ዝሃቦ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ መጽናዕትታት ከም ዘመልክቶ፣ ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ሰሜናዊ ዳርፉር ከቢድ ጕድለት ኣመጋግባን ዓጸቦን ዘጋጠሞም ቈልዑ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብዕጽፊን ድርብን ወሲኹ ኣሎ። ምስ ለበዳ ሸሮኽን ብሰንኪ ጕድለት ኣመጋግባን ዝደኸሙ ቘልዑን ህጻናትን እተተሓሓዘ ንሕማምን ሞትን እተቓልዑ ኮይኖም ኣለዉ።
ብተወሳኺውን እቲ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ "ህይወት ዘድሕን፡ መግቢ፡ ክንክን ጥዕና ከምኡውን ጽሩይ ዝስተ ማይ ብህጹጽ ብዘይ ምርካቦም ሞት ቈልዑን ህጻናትን ክውስኽ ኢዩ" ብምባል ውን ኣጕልሐ።
ኣድላዪ ግድነታት ህይወት፣ ሰባት ኬድሕን ይኽእል እዩ
ሸልደን የት ዝበሃል ኣብ ሱዳን ዝርከብ ተወካሊ ዩኒሴፍ ሸሮኽ ክትከላኸሎ ዝከኣልን ብቐሊሉ ክሕከም ዝከአል እኳ እንተ ዀነ "ንታዊላን ንኻልእ ክፍልታት ዳርፉርን ኣዕናዊ ጕድኣት የውርደሎም ኣሎ፣ እዚ ድማ ንህይወት ቈልዑ ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝነኣሱን ብቐሊሉ ዝጥቅዑን ኣብ ሓደጋ የእትዩ ኣሎ" በለ።
ው. ሕ. ሃ. ነዚ ሕማም እዚ ደው ንምባል ምስ መሻርኽቶም ብምትሕብባት ብህጹጽ ይዓዪ እኳ እንተሎ እቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ዓመጻ ግን "ካብቲ ንሕና ከነማልኦ እንኽእል ንላዕሊ ብቕልጡፍ ዘድሊ ነገራት ብምጉዳሉ፣ እቲ ቅልውላው እናወሰኸ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።" እንተዀነ ግን ዩኒሴፍ ከም ዘመልከቶ "እቲ ኩነታት ህጹጽ ብምዃኑ፣ ግዜ ክጽበዩ ስለ ዘይክእሉ ነዚ ኣንፈት እዚ ብዝቀልጠፈ ንምቕያርን ነቶም እተሸገሩ ቈልዑ ንምብጻሕን ድሕንነትን ብዘይ ዕንቅፋት ንምሃብን" ብተደጋጋሚ ጻውዒት ከም ዘቕረበ ውን ገሊጹ።
ኣብ ኵሉ ግንባራት ሓገዛት ምሃብ
ዩኒሴፍ ነቶም ብሰንኪ እቲ ግጭት ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ጥዕናን ጽሩይ ዝስተ ማይን ኬዳልወሎም ጸኒሑ ኣሎ ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ታዊላ 30,000 ዝዀኑ ሰባት ሳላ እተን ዩኒሴፍ ዝተለገሳ ናይ ማይ ዓበይቲ ማካይን ናብ ቀደሙ እተመሊሱ ከምኡውን ሳላ እቲ ሓድሽ እተገጥመ መኽዘን መጻረዩ ክሎሪን ዘለዎን ማይ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለዉ። ኣብ ዳባ ናይራ 150,000 ዝዀኑ ሰባትን ስድራቤታትን ኣብ ቤተን ማይ ንኸጻርያ ዘኽእለን ክሎሪን ጽላት ዘለዎ ከምኡ ውን ናይ መጻረዪ መሳርሒታት ተለጊሱሎም ኣሎ።
ዩኒሴፍ ነቲ ለበዳ ደው ንምባልን ነቲ ሕማም ሸሮኽ ንምክልኻልን ዘኽእል 1.4 ሚልዮን ብኣፍ ዝወሃብ ክታበታት ሸሮኽ ንምሃብ ጻዕርታት ኣበጊሱ ኣሎ።