ድለ

ሲኦል ሊብያ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝወርድ ሓደጋታት ይገልጽ ሓድሽ ጸብጻብ ሲኦል ሊብያ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝወርድ ሓደጋታት ይገልጽ ሓድሽ ጸብጻብ  (AFP or licensors)

ሲኦል ሊብያ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዝወርድ ሓደጋታት ይገልጽ ሓድሽ ጸብጻብ

ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳያት ስደተይናታት (IOM) ንወጻእተይናታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንባዕሎም ሊብያውያን ስደተይናታት ውሽጣዊ ሃገር እውን ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ዝገልጽ ኣብ ዘውጸኦ ሓድሽ ጸብጻብ፣ ነቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ንምሕጋዝ እውን እኹል መሳለጢ ከም ዘየለ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊብያ ገና መድረኽ ዓሚቝ ሰብኣዊ ቅልውላው ኮይና ትርከብ፣ ስደተይናታት፣ ተመዛበልትን ማሕበረሰባት እቲ ከባብን ሰፊሕ ተቓላዕነትን ድሩት ተበጻሕነት ኣገደስቲ ኣገልግሎታትን የጋጥሞም ከም ዘሎን፣ እዚ ድማ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተይናታት (IOM) "ጸብጻብ ተቓላዕነትን ሓደጋታትን ሊብያ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ብምምልካት፣ ኣብታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ንሚልዮናት ሰባት ዝጸሉ ሰብኣውን ማሕበራውን ሓደጋታት እዋናዊ ገምጋም የቕርብ።

ኣርባዕተ ቀንዲ መስመራት ስደት

እቲ ትንታነ ብቐንዱ ኣብ መስመራት ስደት ካብ ምስሪ፡ ሱዳን፡ ጫድን ኒጀርን ናብታ ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘተኮረ ኮይኑ፡ ስደተይናታት ቅድሚ ምብጋሶም፡ ኣብ እዋን ጉዕዞን ናብ ሊብያ ምስ በጽሑን ዘጋጥሞም ሓደጋታትን ተቓላዕነትን ዘጉልሕ ኮይኑ፣ ብርግጽ 93% ካብ ኩሉ ዋሕዚ ስደት በዞም መስመራት ዝሓልፍ ከም ዝኾነን፣ ገሊኦም ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ ዝደልዩን ገሊኦም እውን ሊብያ መዕለቢኦም ክገብሩ ዝደልዩን እውን እንተኾኑ፣ ቀንዲ ድርኺት ስደት ናይ ኩሎም ዝመሳሰል ኮይኑ፣ እዚ እውን ኣብ መበቆል ሃገሮም እኹል ኣታውን ዕድላት ስራሕ ዘይምህላውን ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ ጸብጻብ የመላኽት።

ኩነታት ተቓላዕነት

ኣርብዓን ሽዱሽተን ሚእታዊት ካብቶም ናብ ሊብያ ዝኣትዉ ስደተይናታት ድሮ ንጉዕዞኦም ንምምዋል ኣብ ርኡይ ዕዳ ዝወደቑ ብምዃኖም፣ እዚ ዅሉ ኣብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ንኸቢድ ድኽነት ከም ዘቃልዖምን እዚ እውን ብቐሊሉ ግዳይ ዝተፈላለየ ዓይነት ምዝመዛ ጉልበት ክኾኑ ከም ዘገድዶም ኣመላኺቱ፣ ማእከላይ ወጻኢታት ናይቲ ጉዕዞ፡ ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተይናታት (IOM) ከከም መስመራቱ ዝፈላለ ከም ዝኾነን፡ መስመር ኒጀር ኣስታት $537፡ መስመር ምስሪ ድማ ልዕሊ $990 እዩ። ዳርጋ ኩሎም ስደተይናታት ብዘይወግዓዊ መገድታት ናብ ሊብያ ዝኣተዉ ብምዃኖ ንሓደጋ ምስጓግ ወይ ንማእሰርቲ ከም ዝቃልዑ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ኣብ ሃገር ተዓጽዮም

"ኣብ ሊብያ ምጽናሕ ኩሉ ግዜ ምስ ዝተነጸረ ውጥን ስደት ዝሰማማዕ ከም ዘይኮነ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተይናታት (IOM) ኣመላኺቱ፣ "መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ድሕሪ ሊቢያ ዝግበር ጉዕዞ ስደት ከይህሉ ዘተዓንቕፍ ወይ ናብ መበቆል ሃገሮም ክምለሱ ዘይምኽኣል ዓይነት ጸገማት እውን ከም ዝውሰኾን . . . ስደተይናታት ክንክን ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ መንበሪ ኣባይትን ሓለዋን ኣብ ምርካብ ሕግን፡ ቋንቋውን ቁጠባውን ዕንቅፋታት የጋጥሞም፣ ብተደጋጋሚ ካብቲ ንህዝቢ ሊብያ ዝቐርብ ናይ ሓገዝ ኣገባባት ክም ዝንጸሉን፣ ብዙሓት ኣብ ዘይወግዓዊ ሰፈራታት፡ ኣብ ልዕሊ ዓቐን ጽዑቕ ኩነታት ኣባይቲ፡ ከምኡ’ውን ስሩዕ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ዘይረኽብሉ ቦታን ኩነታትን ይነብሩ። ብተወሳኺ ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተይናታት (IOM) ወለንታዊ ናብ ሃገርካ ናይ ምምላስ ሕቶታት ከምዝወሰኸ ክሕብር እንከሎ፡ "ቁጽሪ ናይቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝሓሰቡ ስደተይናታት ካብቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘለዉ መደባት ስርሒታዊ ዓቕሚ ዝዓበየ ኮይኑ ከምዘሎ ብምጉላሕ፣ ምምላስ ንምምራጽ ዝድርኹ ቀንዲ ምኽንያታት፡ እናበተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ጸጥታ፡ ሕጽረት ስራሕን እናገደደ ዝኸይ ዘሎ ንሓደጋ ምቅላዕን ምዃኑ እቲ ውድብ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ የስተብህል።

ንኹሉ ዘይትውሕስ ሃገር

ብመሰረት ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተይናታት (IOM)፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ገለ መዳያት ምምሕያሻት እኳ እንተተራእየ፡ ስርዓታዊ ዕንቅፋታት ይቕጽል ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከይረኽቡን ብኽብሪ ከይነብሩን ይኽልክሎም።" ዞባታት ደቡባውን ምዕራባውን ዝያዳ ዝተሃሰየ ኮይኑ፡ እዚ እውን ብሰንኪ ቁጠባዊ ምግላል፡ ድኹም ትሕተ - ቅርጽን ከባብያዊ ዘይምርግጋእን ምዃኑ ብምምልካት። ብጀይካ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ስደተይናታት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሊብያውያን ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ጉጅለታት እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘአንግድዎም ማሕበረሰባት እውን ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ፣ "ሓባራዊ ህይወት ተኣፋፊ ኣብ ዝኾነሉ ኩነታት፡ ንሓደጋ ፍልልያት ተበጻሕነት ኣገልግሎታትን ዕድላትን ብቐሊሉ ትቃላዕ” ብምባል፣

ቁልዕነት ኣብ ሓደጋ

እቲ ሰነድ ክንደይ ህጻናትን መንእሰያትን ብፍላይ ድማ ተመዛበልቲ ብሰንኪ ቁጠባዊ ዕንቅፋታት፡ ግዱድ ምምዝባል፡ ወይ ዝተበላሸወ ትሕተ ቅርጺ ኣብያተ ትምህርቲ ስሩዕ ተበጻሕነት ትምህርቲ ከምዘይብሎም የጉልሕ። መነባብሮ ምርካብ እውን ርኡይ ብድሆ እዩ። እቲ ጸብጻብ "ሰፊሕ ስራሕ ኣልቦነት፡ ምዝባዕ መርበባት ንግድን ሕጽረት ኣፍራዪ ርእሰማልን ስድራቤታት መሰረታዊ ድሌታቶም ናይ ምምላእ ዓቕሞም ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎም እዩ . . .  እዚ ተነቃፊ ኩነታት እዚ፡ ብምዝመዛ ሕጻናት ወይ ብሰንኪ ዕዳ መሊሱ ዝጋደድ ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ውድብ ጉዳይ ስደተይናታት (IOM) የብርህ።

08 Aug 2025, 15:48