ድለ

እስራኤል ኣብ ቓዛ ክትፍጽሞ ትሓስቦ ዘላ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ነቐፌታ የስዕበላ እስራኤል ኣብ ቓዛ ክትፍጽሞ ትሓስቦ ዘላ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ነቐፌታ የስዕበላ  (AFP or licensors)

እስራኤል ኣብ ቓዛ ክትፍጽሞ ትሓስቦ ዘላ መጥቃዕቲ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ነቐፌታ የስዕበላ

እስራኤል ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታታ ከተስፍሕ ወግዓዊ ዝገበረቶ ውሳነ፡ ካብ ኣህጉራውያን መራሕቲ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣንን ኣባይቲ ስድራ ናይቶም ክሳብ ሕጂ ብሃማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን ንጹር ነቐፌታ የጋጥሞ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ እስራኤል መራሔ መንግስቲ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ኣብ ናይ 10 ሰዓታት ናይ ጸጥታ ኣኼባ ጉባኤ ሚኒስተራት ዝጸደቐ ውጥን፡ ንከተማ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ምሓዝ ዝብል ውሳነ ዘጠቓልል ምዃኑ ክፍልጥ እንከሎ፣ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኣስራኤል ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ “ጎበጣ” ዝብል ቃል ዘወግድ እኳ እንተኾነ፡ እዚ ስጉምቲ ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እስራኤል ብኣድማዒ መንገዲ ምእታው ዝብል ሓሳብ ብግልጺ ዘቐምጠ እዩ።  

እቲ ስርሒት ዝጅምረሉ ግዜ ዛጊት ኣይተገልጸን

ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እቲ ወፍሪ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእልን ብዙሓት ኣብዚ ስርሒት እዚ ዘገልገሉ ብኣሽሓት ዝቑጸር ዕቑር ሰራዊት ምውዳብ ከምዘድልዮምን የጠንቅቑ። እቲ ውጥን ነበርቲ ካብታ ኣስታት 800 ሽሕ ዝግመቱ ፍልስጤማውያን ዝነብሩላ ከተማ ቓዛ ምውጻእ እውን ዘጠቓልል እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ጉባኤ ሚንስትራት እስራሌል ዘጽደቖ ውሳነ ምስ ተሰምዐ ቅልጡፍ ኣህጉራዊ መልሲ ከም እተወሃበሉን ናይ ፈደራላዊት ጀርመን መራሔ መንግስቲ ፍሪድሪክ መርጽ እስራኤል ነቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክትጥቀመሉ ስለ እትኽእል ሃገሩ ሰደድ ኣጽዋር ናብ እስራኤል ደው ከተክብል ምዃና ከፍልጥ እንከሎ፣ መራሔ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ነቲ ውሳነ “ጌጋ” እንክብል ይነቕፎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሆላንድ ካስፓር ቬልድካምፕ እዚ ስጉምቲ “ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ገዝኦም ንምምጻእ ኣይሕግዝን” እንክብል ነቐፌታ እንከቕርብ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ድማ “ቓዛ ናይ ህዝቢ ፍልስጤም እያ” እንክብል ደጊሙ ብምግላጽ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ይጽውዕ። ዴንማርክ እውን እስራኤል ነቲ ውሳኔ ከተልዕሎ ተተሓሳስብ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ መጥቃዕቲ፡ ተወሳኺ ምግፋዕ ዘስዕብ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው ከዕምቖን ዝኾነ ውሳኔ እስራኤል ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክባት መዳይ ክትንጸል ትኽእል ዝብል ስክፍታታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝቐረበ እውን እዩ።

09 Aug 2025, 17:17