ኣብ ቓዛ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ክብ ይብል ኣብ ቓዛ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ክብ ይብል  (AFP or licensors)

ኣብ ቓዛ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ክብ ይብል

ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ሰባት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ኣዕናዊ ኩነታት የጋጥም ምህላዊዉኣጠንቂቐን፣ ሓላፊት መደብ መግቢ ዓለም ሲንዲ ማኬን፡ ኣብዛ ሎሚ 500 ሽሕ ሰባት ብጥሜት ኣብ ዝሳቐይሉ ዞባ ቓዛ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ጥሜት ብሄሊኮፖተር ካብ ኣየር ብዝፍነው ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብዳህ ዝግበር ጻዕሪ ቅኑዕ መፍትሒ ኣይኮነን ትብል።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ናብ 197 ከምዝደየበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣርባዕተ ተወሳኺ ሞት ከምዘጋጠመ ሰብመዚ ጥዕና እቲ ከባቢ ከም ዝሓበሩን፣ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቶም ግዳያት ህጻናት ምዃኖም የመላኽት።

እዚ ኣሃዛት ኣብቲ ከባቢ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጥሜት ኣህጉራዊ ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝርኣ ዘሎ ኮይኑ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋደደ ምደባ ውሕስነት መግብን (IPC) እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዕናዊ ከም ዝኾነን ኣብ ገለ ከባቢታት ቓዛ ደረጃ ጥሜት ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘሰንብድ ደረጃ በጺሑ ኣሎ እንክብል መጠንቀቕታ የቕርቡ።

ኣስታት 6000 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ማካይን ኣብ ዶብ ተዓጊተን ከም ዘለዋ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ናብ ቓዛ መግቢ ብነፋሪት ክድርብዩ ፍቓድ ሂባ እኳ እንተነበረ፡ ትካላት ረድኤት ግን እቲ ስጉምቲ እኹል ከም ዘይኮነን ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሰንብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይዳረግ መልሲ ከም ዝኾነን፣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሚሮስላቭ ጀንካ፣ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከስፍሕ ከም ዝኽእል ዝሃቦ መግለጺ ዘተሓሳስብ እዩ እንክብል ርእይቶ ብምሃብ፣ ኣስዒቡ እስራኤል ተወሳኺ ስቓይን ህይወት ምጥፋእን ንምብዳህ፡ ቅልጡፍን ብዘይ ዕንቅፋትን ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ክትፈቅድ የተሓሳስብ።

08 Aug 2025, 15:45