ኣብ ቓዛ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ቍጽሪ ክብ ይብል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ቓዛ ቁጽሪ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ናብ 197 ከምዝደየበ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣርባዕተ ተወሳኺ ሞት ከምዘጋጠመ ሰብመዚ ጥዕና እቲ ከባቢ ከም ዝሓበሩን፣ ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ፍርቂ ካብቶም ግዳያት ህጻናት ምዃኖም የመላኽት።
እዚ ኣሃዛት ኣብቲ ከባቢ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ጥሜት ኣህጉራዊ ስክፍታ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝርኣ ዘሎ ኮይኑ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዝተዋደደ ምደባ ውሕስነት መግብን (IPC) እቲ ዘሎ ኩነታት ኣዕናዊ ከም ዝኾነን ኣብ ገለ ከባቢታት ቓዛ ደረጃ ጥሜት ኣብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዘሰንብድ ደረጃ በጺሑ ኣሎ እንክብል መጠንቀቕታ የቕርቡ።
ኣስታት 6000 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና ማካይን ኣብ ዶብ ተዓጊተን ከም ዘለዋ ክሕበር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እስራኤል ናብ ቓዛ መግቢ ብነፋሪት ክድርብዩ ፍቓድ ሂባ እኳ እንተነበረ፡ ትካላት ረድኤት ግን እቲ ስጉምቲ እኹል ከም ዘይኮነን ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘሰንብድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘይዳረግ መልሲ ከም ዝኾነን፣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ሚሮስላቭ ጀንካ፣ መራሔ መግንስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ኣብ መላእ ወሽመጥ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከስፍሕ ከም ዝኽእል ዝሃቦ መግለጺ ዘተሓሳስብ እዩ እንክብል ርእይቶ ብምሃብ፣ ኣስዒቡ እስራኤል ተወሳኺ ስቓይን ህይወት ምጥፋእን ንምብዳህ፡ ቅልጡፍን ብዘይ ዕንቅፋትን ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ክትፈቅድ የተሓሳስብ።