ኣብ ሃይቲ ዝቕጽል ዘሎ ስቓይን ጭውያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ሃይቲ ፖርት ኦ ፕሪንስ ዝርከብ መዕቆቢ ዘኽታማት ቅድስቲ ሄለን እተመሓድር ልእኽቲ ወንጌል ጀና ሄራቲ ሓዊሱ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 3 ነሓሰ ሓደ ወዲ ሰለስተ ዓመት ህጻንን ሸውዓተ ሰራሕተይናታትን ከም እተጨውዩን እቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ንልዕሊ 200 ህጻናት ዝከናኸን ኮይኑ፡ እታ ልእክቲ ወንጌል ብሕያዋውነታ ፈቃርነታን ውፉይነታን እትፍለጥ ከም ዝኾነትን፣ እቶም ጨወይቲ ንሓደ ደጋዊ መንደቕ ሰቢሮም ድሕሪኡ ትኽ ኢሎም ናብቲ ኣብቲ ቀጽሪ ዝርከብ ቀንዲ ህንጻ ብምእታው ዝፈጸምዎ ጭውያ ብጥንቃቐ ዝተዳለወ ውጥን ምዃኑ ሓደ ናይቲ ከባብቢ ኣባል ቤት ምሕደራ ከም ዝገለጸን፣ ልእኽቲ ወንጌል ሄራትይ ካብ 1993 ጀሚራ ኣብ ሃይቲ ኣብ ተልእኾ ወንጌል ዝተዋፈረት ብፍላይ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ድኻታት ዝርከብዎ ተቓላዕቲ ህጻናት ኣብ ምሕጋዝ እተገልግል ምዃና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፣ ንዓመታት ብዛዕባ እቲ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ቅልውላውን ኣብኡ ዘሎ ሓደጋታትን እትፈልጥ እውን እንተኾነት ''ምእንቲ እቶም ቆልዑ እየ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ዘለኹ። ስለዚ ካብ ሃይቲ ክወጽእ ዝብል ሓሳብ የብለይን፡ ምኽንያቱ ኩላትና ኣብዚ ብሓባር ኢና ዘሎና” ትብል ከም ዝነበረት ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።
ሕጊ ኣልቦነትን ዓመጽ ጕጅለታትን ኣብታ ዝደኸየት ሃገረ ሃይቲ ማእለያ ዘይብሉ ስቓይ የስብዕ ኣሎ። ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ሰማንያ ሚእታዊት ርእሰ ከተማ ፖርት ኦ ፕሪንስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይ ጎደናታት ጕጅለታትን ዝተወደቡ ናይ ገበን ጉጅለታትን ከምዘላ ይገልጽ። ጭውያ ኣብ ሃይቲ መዓልታዊ ዝፍጸም ልሙድ ገበን ብምዃኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነጽዋር መዐድጊ ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ንምርካብ ዝዓለመ እዩ። ሃገራት ብፍላይ ድማ ካብ ካሪብያን ዝመጻ፡ ነቲ ተኣፋፊ ናይ ሃይቲ ሓይልታት ጸጥታ ንምድልዳል፡ ኣባላት ፖሊስ ናብ ሃይቲ ሰዲደን እየን ክሳብ ሕጂ ግን ስርሒት ዓቃቢ ሰላም ንምቛም ምድልዳል ሰራዊት ዘቕረበት ዝኾነት ዓባይ ሃገር የላን፣ ሃይቲ ምርጫ ርእሰ ብሔር ከተካይድ ትደሊ፡ እዚ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ዘይከኣል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።