ድለ

ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ጋና፣ ንእተሸገሩ ስደተይናታት ምቕላብል ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ጋና፣ ንእተሸገሩ ስደተይናታት ምቕላብል  (AFP or licensors)

ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ጋና፣ ንእተሸገሩ ስደተይናታት ምቕላብል

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል ጋና ዳግማይ ግጭት ድሕሪ ምልዓሉ፡ ሚኒስተር ዞባ ላዕለዋይ ምብራቕ እታ ሃገር፡ መራሕቲ ካቶሊካውያን ውሽጢ ዓዲ፣ ሰላም ክረጋገጽ ጽልዋኦም ከሕድሩ ይላበው።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ላዕለዋይ ምብራቕ ጋና ኣብ ዝርከብ ባውኩ ብዕጡቓት ሰለስተ መንእሰያት ድሕሪ ምቕታሎም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል ጋና ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ዳግማይ ከም እተላዓለን ነዚ ምኽንያት ብምግባር ሰብ መዚ እቲ ከባቢ ኣዋጅ እዋን እቶ እቶ ብምትግባር፣ ሓለፍቲ ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ ብሰፊሕ ክዋፈሩ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ጋና ጠቒሱ የመላኽት።

እዚ ሞት እዚ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ብዛዕባ ተራ መራሕቲ ቀቢላታት ማምፕሩሲን ኩሳሲን ኣብቲ ዞባ ዝጸንሐ ክትዓት ከም ዘበግሰን፣ ብታሪኽ ማምፕሩሲ ኣብ ልዕሊ ከባቢ ባውኩ ባህላዊ ስልጣን ከረጋግጽ እንከሎ፡ ኩሳሲ ድማ ከም ኣብላጺ ህዝቢ እቲ ዞባ መሰሎም ዝጣበቑ ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣

ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ዓመጽ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብቲ ከባቢ ንዝተመዛበሉ ሰባት ሓገዝ ንምሃብን ኣብቲ ዞባ ሰላም ክህሉ ንምጉስጓስን ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ። ብመሰረት ማዕከን ሓበሬታ ፊደስ ሚኒስተር ዞባ ላዕለዋይ ምብራቕ ጋና ነዚ ስራሕ ንኢዶም፣ ሕጂ እውን ሰላም ንምርግጋጽ ጽልዋአ ከተሐድስ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ጋና ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ጁልያን ካቦረ ኣብዚ ብግጭት ዝሳቀ ሰሜናዊ ምብራቕ ክፋል ጋና ዑደት ከም ዘካየዱን፣ እዚ ከባቢ’ዚ ካብ ቡርኪናፋሶ ዝመጹ ኣማኢት ተመዛበልቲ ካብ እስላማውያን ጉጅለታት ዝሃደሙ’ውን ዝነብሩሉ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ከምቲ ፊደስ ዝጸብጸቦ፣ እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርአ ዘሎ ጸገም ናብዚ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር ከይተኣታቶ የስግእ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ናይቲ ከባቢ ሚኒስተር “ክልቲኦም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ወገናት ካብ ድምጺ ፖለቲከይናታት ንላዕሊ ድምጺ መራሕቲ ሃይማኖት ንምስማዕ ዝያዳ ዝንባለ ከምዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቤተ ክርስቲያን ጽልዋኣ ተጠቂማ ነቲ ናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ንሓድነት ክተተባብዕ ከም እተማሕጸኑ የመላኽት።

እዚ ግጭት እዚ ቅድሚ መግዛእቲ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝጀመረ ኮይኑ፡ ጋና ኣብ 1957 ናጽነታ ምስ ረኸበት መንግስቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምቕጻል ከም ርእሰ ማል ክጥቀመሉ ምስ ጀመረ እውን እናገደደ ከም ዝኸደ ክንገር እንከሎ፣ ሊቀ - ጳጳሳት ካቦረ ንመንግስቲ ጋናን ንህዝቢ ላዕለዋይ ምብራቕን ስለ’ቲ "ነቶም ካብቲ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዘሎ ዘይምርግጋእ ዝሃደሙ ሰባት ዝገበርዎ እንግዶትን ደገፍን" ምስጋናኦም ገሊጹ፣ ኣብ መንጎ እቲ ቐጻሊ ዝዀነ ዓመጻ እታ ሃገር ንእተሸገሩ ስደተይናታት ሓንጐፋይ ኢላ ንምቕባልን ንምእንጋድን እትገብሮ ቀጻሊ ደገፍ እውን ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ፊደስ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ የመላኽት።

06 Aug 2025, 16:00