ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 30 ሓምለ ብሕቡራት ሃገራት፣ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከም ዝኾነን። ናይዚ ዓመት መርሕ ቃል ድማ፣ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተወደበ ገበን እዩ - ምዝመዛ የብቅዕ" ዝብል ምንባሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብቑጽሪ
ካብ ዕጸፋርስን ገበንን ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት (UNODC) ዝተረኽበ ሓበሬታ
· ኣብ መንጎ 2019ን 2022ን ኣብ መላእ ዓለም ቁጽሪ ግዳያት - ካብ ግዱድ ስራሕ ዝደሓኑ ብ47% ወሰኽ ከም ዘርኣየን
· ኣብ 2022፡ ብንግድ ሰባት ካብ ዝተጠቕዑ ጠቕላላ 61% ንደቂ ኣንስትዮ ዝሽፍን ኮይኑ - እቲ 39% ዓበይቲ፡ 22% ድማ ነኣሽቱ ዝምልከት እዩ
· ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ዕጸ ፋርን ገበን - UNODC ብውሑዱ ካብ 162 ሃገራት ዝመጹ ብዘይ ሕጋዊ ምስግጋር ናብ 128 ሃገራት ከም ዝተዉን ካብ ጠቕላላ ብዙሒ እቲ 31% ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ይውክል
· ግጭትን ለውጢ ከባቢያዊ ኣየርን ዝመጽእ ምዝንባል ኣብቶም ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘቃልዑ ረቛሒታት ዝጠቓለል ምዃኑ ከም ዘመላኽት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ዘራኽብ ድልድል
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝጸብጸቦ፡ ካብ 2020 ክሳብ 2023 ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 200,000 ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዘስዕቦ ምዝመዛ ከም ዝደሓኑ ግምት ከቕርብ እንከሎ፡ እቲ “ጭቡጥ ቁጽሪ ናይቶም ዘይተጸብጸቡ ካብቲ መጻወድያ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘይወጹ ኣዝዩ ዝለዓለ ምዃኑ ይእመን።” ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ድርኺታት ምዝመዛ ሰባት፡ ግዱድ ዕዮን መጋበርያ ንናይ ገበናዊ ንጥፈታት ምዃንን ዝብል ኮይኑ፣ ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ገበን ዝከታተል ኣካል ዝህቦ ምላሽ፣ “ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ገበን” ደው ኣብ ምባል ጻዕርታቱ ይቕጽል ኣሎ። ነዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምውጋድ እቲ ትካል ዝያዳ ተሪር ሕግታት ክቐርብ፣ ምምሕያሽ ስግረ - ዶባዊ ጉዕዞታት ክግበርን መርበባት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምልላይን ንምዕፋንን ስነ ኣሃዝ እተራቐ ምዕባለ ናይ ምጥቃምን ካልኦት ተበግሶታትን ይጽውዕ።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምውጋድ ኣብ ሓደ ምምጻእ
ማሕበረሰብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ኣብ መወዳእታ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተወፈየ መዓልቲ ምኽንያት ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻብ፣ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፡ ጠንቁ ምርዳእን ነቶም ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝምዝመዙ ምክልኻልን" ዝብል ሓሳብ የቕርብ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰባት ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ከም ዝኾኑን ቁጽሪ ዝደሓኑ ግዳያት ኣብ ዓመት ብኣስታት 800 ሽሕ ከምዝውስኽ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ዮሓንስ መበል 23 ማተዮ ፋዳ ንቫቲካን ረዲዮ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰበስልጣን መንግስቲ ተወሳኺ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምክልኻል ስጉምቲ ክወስዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ሰባት ካብዚ ሓደጋ ንምክልኻል፣ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት መጻወድያ ንምእታው ዝግበር ምልመላ ኣበይ ከም ዝፍጸም - ብመርበብ ሓበሬታ፡ ብኣካል፡ ኣብ መስመራት ስደት - ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብሩ።
ደናግል ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት
ታሊታ ቑም ናይ መላእ ማሕበራት ደናግል ኣህጉራዊ መርበብ ሓበሬታ እውን ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ 2024 ዝወጸ ጸብጻብ ዘኪሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ ዓለም 939,185 ኣደደ ዘይሕጋው ምስግጋር ሰባት ከም ዝኾኑን ካብቲ ናይ 2023 ብ20 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ እቲ ማሕበር ብዝገበሮ ጻዕሪ ንልዕሊ 420,000 ኣንስትን ሰብኡትን (ኣወዳትን ኣዋልድን) ከም ዝደገፈን እቲ ማሕበር በቲ ዝገብሮ ጻዕሪ ምስ ብዙሓት ሰባት ክራኸብን ከምኡውን ናብዚ ዘመናዊ ዓይነት ጊልያነት ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበር ከም ዝሓገዘ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ጸብጻብ ታሊታ ቑም ዝሓለፈ ዓመት እቲ ማሕበር ዳርጋ 47,000 ዝዀኑ ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት ከም ዝደገፈ የጕልሕ። ብጀካ እዚ እቲ ንምክልኻል እተገብረ ተበግሶ ብ11 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዘርኣየን፣ እዚ ኸኣ ንኣስታት 690,356 ሰባት ከም ዝሓገዘን። ኣተሓባባሪት ታሊታ ቑም እናቴ ኣቢ ኣቨሊኖ ኣብ እተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዕጥቓዊ ግጭታት እውን ይሃሉ፣ እቲ ማሕበር ነቶም እተሸገሩ ዝህቦ ኣገልግሎት ከም ዘስፈሐን፣ "ጻዕርታትና ኣብ ኵሉ ዞባታት ደልዲሉ ኢዩ። ታሊታ ቑም ካብ ጋና ክሳዕ ደቡብ ኮርያ ብራዚል ክሳዕ ኣይርላንድ ኣብ ሕግታት ሃገራት ጽልዋ ንምግባር ይጽዕር፣ እዚ ኸኣ ኣብ ጥበብ እቶም ብህይወት ዝተረፉ ሰባትን ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ማሕበረሰባትን እተመርኰሰ እዩ" ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።