ሰባት ብጥሜት ኣብ ዝሞቱሉ ዘለዉ እዋን ንጣብ ሓገዝ ናብ ቓዛ ይኣቱ
ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዝ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ምስሪ ናብ ዞባ ዶብ ቓዛ ከም ዝኣተዋ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣዝዩ ዘድሊ ሓገዝ ዝጸዓና ናይ ጽዕነት መካይን ካብ ምስሪ ናብ ዞባ ዶብ ቓዛ ከም ዝኣተዋ ክንገር እንከሎ፣
ዕለት 27 ሓምለ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሽዱሽተ ሰባት ብጥምየት ከም ዝሞቱ ከም ዝሓበረን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብ ገለ ክፋል ወሽመጥ ቓዛ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ካብ እተካይዶ ስርሒታት ንግዚኡ ደው ብምባል፣ መግብን መድሃኒትን ናብቲ ቦታ ክበጽሕ ኣፍቂዳን ብቐረባ እውን ትዕዘብ ከም ዘላ ይሕበር።
ኣብ መንጎ እዚ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ቓዛ፡ ህይወት ሰባት ንምድሓን ህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረበን እዚ ቀስ ኢሉ ዝበጽሕ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ነበርቲ ቓዛ ህጹጽ ሓገዝ ንምብጻሕ ንምምችቻው ዝዓለመ ኣህጉራዊ ጻውዒታት እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ነበርቲ እታ ሃገር ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ኣገደስቲ ቀረብን የጋጥሞም ምህላዉ የመላኽት።
ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ሰበስልጣን ሕክምና ቓዛ፡ ብውሕዱ ትሽዓተ ሰባት - ኩሎም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽበዩ ዝነበሩ - እስራኤል ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ከም እተቐትሉ ክሕብር እንከሎ፣ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ካልኦት 50 ሰባት ድማ ከም ዝቖሰሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
28 Jul 2025, 16:37