ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ጥሜት ከም ኣጽዋር ምጥቃም ይኹንን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ጥሜት ከም ቦምባ። ንመዓልታት ዝኣክል፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሰብኣዊ ትካላትን ቤተክርስትያንን፡ እንተወሓደ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ጥሜት ህዝቢ መወዳእታ ክገብረሉ - ኣብ ዶሓ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ዝግበር ዘተ ምዕባለታት ክርአ እናተጸበዩ - ዘይሕለል ጻውዒታት የቕርባ ከም ዘለዋን፣ ከምቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኸል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላቲናዊ ፓትርያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ ዝበልዎ፣ ኣብ ቓዛ ዘሎ ጭፍጨፋ "ዘይምኽኑይን ዘይቅቡልን እዩ" ብምባል፣ መዓልታዊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ይቕተሉ ኣለዉ ብምባል ሰላም ክምለስ ጻውዒት የቕርብ ኣሎ።
ከቢድ ሕጽረት ማይ
ዕለት 24 ሓምለ ዋና ኣመሓዳሪ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረኢየሱስ። ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣዝዩ ልዑል ቁጽሪ ሰባት "ብጃምላዊ ጥሜት ዝሞቱን ምስ ሕጽረት መግቢ ዝተኣሳሰር ሞት ዘስዕብ ወሰኽን ኮኒኑ። ብተወሳኺ ብሰንኪ ምግቢ ዘይምርካብ ዝመጽእ ኵለ መደያዊ ሓደጋ ዘጋጥሞም ዘሎ ደቆም ወለዲ ዝሃብዎ ምስክርነት ተወኪሱ፣ "እቲ ቅልውላው መግቢ፡ ብሰንኪ ምፍራስ መዕደሊ ማእከላትን ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ዝግበር ገደብን ወትሩ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። 95% ካብ ኣባይቲ ስድራ ቓዛ ከቢድ ሕጽረት ማይ የጋጥሞም ኣሎ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን፡ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ወርሒ ሓምለ፡ ካብቶም ካብ ዝተፈላለየ ዞባታት ናይቲ ከባቢ ዝመጹ 56,440 ህጻናት፡ ዳርጋ 5,000 ብሕዱር ሕጽረት መግቢ፡ 838 ድማ ብጽኑዕ ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣድሓኖም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመላኽት።
ብዙህ ሰብኣዊ ሓገዝ የድሊ
ቀጻልን ሰፊሕን ዋሕዚ ሓገዝ የድሊ። ነቲ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ንምፍታሕ እኹል ኣይክኸውንን ይኽእል እዩ፣ እንተወሓደ ግን ነቲ ስቓይ ንምቅላል ምሓገዘ። ኣብ ክንድኡስ፡ ብሰንኪ እስራኤል ኣብ ባይታ ዘቐመጠቶ ገደብ፡ ኣብ ዶባት ውሽመጥ ቓዛ፡ ሓገዝ ተዓጽዩ ይርከብ፣ መዕደሊ ቦታታት ናይ ዓመጽን ሞትን ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ፣ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘስካሕክሕ መንገዲ ዘጋጠመ፣ መብዛሕትኡ ግዜ መግቢ ንምርካብ ሪጋ ዝሓዘ ህዝቢ ዒላማ ዝገበረ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ኣብነት ጠቒሱ የረድእ።
ርእሰ ብሔር ሄርዞግ፡ እስራኤል "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ" ትሰርሕ ኣላ
ድሕሪ ዕለት 7 ጥቅምቲ ንፈለማ እዋን ናብ ቓዛ ብምጻሕ ዘካየደ ርእሰ ብሔር እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ፡ እስራኤል "ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ትሰርሕ" ከምዘላን፣ "ሰብኣዊ ሓገዝ ትህብ ከምዘላን" ገሊጹ፣ ሓማስን ደገፍቱን ነዚ ሓገዝ ንምትዕንቓፍ ይፍትኑ ኣለዉ" እንክብል ከም ዝኸሰሰን፣ እዚ መግለጺታት እዚ ብፍላይ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብዘይ ምቁራጽ ይቕጽል ስለዘሎ ዘደናግር እዩ። ሎሚ ንግሆ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ወሽመጥ ቓዛ ብዝተኻየደ ዘመተ፣ ካልኦት ኣስታት 12 ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣብተን ዝተጎድኡ ከባቢታት ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ዝሃበኦ ሓበረታ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ ድማ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን እንተዘይተፈቲሖም "ኣፍደገታት ሲኦል ኣብ ቓዛ ክኽፈት እዩ" ከም ዝበለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቃል ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ወኪል
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሊቀ ጳጳሳት ካንተርበርይ ክሳብ ዝስየሙ፣ ዝለዓለ ወኪል ናይ ውህደት ኣንግሊካን ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ዘለዉ ናይ ኦርክ ሊቀ ጳጳሳት ስቲቨን ኮትረል፡ ምስቲ ዝሓለፈ ሓሙስ መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ማሕበረሰብ ክርስትያን ቁምስና ቅድስቲ ስድራቤት ኣብ ቓዛ፣ ምኽንያት "ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ዝፍጸም መጥቓዕቲ ምኽንያታዊ ክግበሮ ዝኽእል ምኽንያ ብፍጹም የለን" እንክብሉ ነቲ ዝተጎድአ ክርስቲያን ማሕበረሰብ ቅርበቶም ገሊጾም፣ "ኣንጻር እዚ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ሰብኣዊ ክብርን ዝፍጸ ዘሎ ባርባራዊ መጥቃዕቲ” ድምጾም ብምስማዕ፣ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዓመጽ፡ ጥምየትን ሰብኣውነት ምሕሳርን" ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርአ ዘሎ ቅትለትን ሞትን 22 ኣዋርሕ የቑጽር ኣሎ፣ እቲ ኲናትን ህልቂትን ብቕጽበት ክውዳእ ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ካብ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።