ሰብኣዊ ትካላት እስራኤል፡ ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ተፈጺሙ እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝፍጽሞ ዘሎ ንጥፈታት ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኰነ እስራኤላውያን ኣይሁድን እውን ከይተረፈ ምንቃፍ ዘይከኣል ኣይኮነን። ትማሊ ንግሆ ክልተ ኻብተን ኣብ እስራኤል ዘለዋ ቐንዲ ናይ ግብረ - ሰናይን ሰላምን ማሕበራት ማለት ቢ’ጸልም ከምኡውን ሓካይም ተጣበቕቲ ሰብብኣዊ መሰላትን ጥንቃቐ ዝመልኦ ተንታኒ ሰነዳት ወግዓዊ ከም ዝገበራን ኣብ መደምደምታ ኸኣ እስራኤል "ንማሕበረሰብ ፍልስጥኤም ኣብ ቓዛ ንምጥፋእ ዝዓለመ ዓሌት ምጽናት ዝመልኦ ስርዓት" ከም ዘማዕበለት የመላኽት።
ማሕበር ብ'ጸለም ካብ 1989 ጀሚሩ ኣብ ዝተጎበጠ ግዝኣታት ፍልስጤም ብእስራኤል ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሰነደ ሰብኣዊ ትካል ኮይኑ፡ ኣብ ስርሑ ድማ ጠበቓታት፡ ጋዜጠይናታትን ኣባላት ባይቶ እስራኤልን ዘጠቓልል እዩ።
ፈጻሚ ኣካል ትካል ብ'ጸልም ዩሊ ኖቫክ፡ "እዚ ንዓና ኣዝዩ ዘሕዝ ህሞት'ዩ - ቢሉ -ኣብዚ ዝነብሩን መዓልታዊ ዝፍጸም ዘሎ ዝዕዘቡን እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ብዝተኻእለ መጠን ነቲ ሓቂ ብንጹር ናይ ምዝራብ ግዴታ ኣለዎም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጸንፈይና የማናዊ መንግስቲ ነቲ ብሰንኪ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ዝፈጠሮ ፍርሒ መዝሚዙ ንህዝቢ ፍልስጤም ካብ ቓዛ ናይ ምጥፋእን ምስጓግን ዝክረ ነገራቱ የስጉም ኣሎ" ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ውሽመጥ ቓዛ ዝርዝር ሕክምናዊ ተንታኒ ሰነድ ዘዳለወ ሓካይም ንሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ነቲ ብውዕል ምክልኻልን ምቕጻዕን ገበን ምጽናት ዓሌት ዝተቐመጠ ትርጉም ምጽናት ዓሌት ዘመልክት ሃገረ እስራኤል እውን እስራኤል ብክታማ ቅቡል ዝበለቶ ውዕል ዝጻረር እዩ። ስለዚ እስራኤል ምጽናት ዓሌት ፈጺማ እያ ዝብል ምዃኑ የመላኽት።
ፈጻሚ ኣካል ናይ ትካል ሓኻይም ተጣበቕቲ ንሰብኣዊ መሰላት ጋይ ሻለቭ፡ "እቲ መርትዖታት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ቓዛ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ኮነ ኢልካን ብስርዓትን ምዕናው፡ እዚ ድማ ንኣባይቲ ሕክምናታት ምድብዳብን ምዕናውን፡ ቀረብ ሕክምናዊ ሓገዝን መድሃኒትን ምትዕንቓፍ፡ ከምኡ'ውን ምእሳር ሓኻይምን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ዘጠቓልል እዩ። እዚ ብጀካ ምጽናት ዓሌት ካልእ መግለጺ የብሉን። ምእንቲ እቶም ኣብ ቓዛ ዘለዉ መሳርሕትና፡ ከም በዓል ሞያ ሕክምናን ንሰባት ንምሕብሓብ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉን፡ ሓቂ ምዝራብ ካብ ዘሎ ግዴታ ነጻ ክንከውን ኣይንኽእልንኢና” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክልቲአን ትካላት፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንኽብደት እቲ ኩነታት ኣቃሊሉ ብምርኣዩ ኮኒነን፣ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብርቱዕ ክትዕ ከም ዝፈጠረን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘልዓልዎ ጉዳይ ተመሳሳሊ ስክፍታ፣ ድሮ ካብ እስራኤልን ካብ ኣባላት ማሕበረሰባት ኣይሁድ ምዕራብን ተሪር ነቐፌታ ኣስዒቡሎም ነይሩ እዩ።
L'Osservatore Romano - ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ዕለታዊ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ፡ ዕለት 11 መጋቢት ናይዚ ዓመት፡ ድሮ ንኣባላት በርገሳውያን ማሕበራት እስራኤል ድምጺ ብምሃብ፣ ነቲ ጉዳይ ተንኪፍዎ ነይሩ። ጸሓፊ ታሪኽ ሊ ማርዶካይ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም መንበረ ጥበብ እብራይስጢ መምህር፡ ብዓይኒ ሕጊ፡ ክውንነት ናይቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ምጽናት ዓሌት ንምርግጋጽ ድሕር ኣይበለን። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ሊቀ ስነ - ኣእምሮኣዊ ቋንቋ ጽቭያ ፐረስ ዋልደን፡ ንኽብደት ናይቲ ብሰራዊት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝተፈጸመ ክትኹንን እንኮላ፡ ምጥቃም ምጽናት ዓሌት ዝብል ቃል ከፋፋሊ ክኸውን ከም ዝኽእልን ንውልትውናዊ ንባብ ናይቲ ግጭት ከደልድል ከም ዝኽእልን ኣስተብሂላ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።