ትካላት ረድኤት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ 'ከበባ' ይኹንና
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ኵላዊት ቤተ ርክስቲያን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ማሕበር ረድኤትን ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበራት ግብረ ሰናይን ዝጥርንፍ ብካሪታስ ኢንተርናሽናሊስ ዝጽዋዕ ማሕበር ሓዊሱ ብ111 ሰብኣዊ ትካላት ዝተኸተመ መግለጺ፡ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘቖሞ ስርሒት ከበባ ብምውቃስ፡ መንግስታት ኩሉ መሳገሪ መገድታት ንምኽፋት ዘኽእል ስጉምታት ከተባብዑ ይላቦ። ዋሕዚ መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒት፡ መጽለሊ ኣቑሑትን ነዳድን ናብ ቓዛ “ብመትከላዊ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ኣገባብ” ምምላስ፤ ነቲ ከበባ መወዳእታ ክግበረሉን፤ ከምኡ’ውን ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ዝጠልብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
እተን ትካላት ነቲ ዳርጋ መዓልታዊ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከባ ቦታታት መዐደልቲ መግቢ ዝፍጸም “ጭፍጨፋታት” ብምስትብሃል፣ 875 ፍልስጤማውያን መግቢ ኣብ ዘናድይሉ ዝነበረ እዋን ከምዝተቐትሉን ካልኦት ኣሽሓት ከምዝቖሰሉን፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ መረጋገጺ ብምጥቃስ፣ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጥኤማውያን በቲ ዳሕረዋይ ትእዛዝ ተመዛበሉ - ካብ ከባቢኹም ውጹ ዝብል እስራኤል እተቕርቦ ዘላ ትእዛዝ ከምእተመዛበሉ ዝገልጽ ነቲ ካብ ውድብ መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ዝረኸቦ መጠንቀቕታ ብምጉላሕ፡ እዚ ኩሉ ነቲ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዝግበር ጻዕሪ ንሓደጋ የቃልዖ እውን ምህላዉ ኣብቲ መግለጺ ይሕብራ።
እቲ መግለጺ ቀጺሉ፡ “ጥሜት ሰላማውያን ሰባት ገበን ኲናት እዩ” ብምባል፣ ካብ ቓዛ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ መኽዘናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ ግዝኣት ባዕሉ እውን እንተኾነ፡ ንሓገዝ ሰላማውያን ሰባት ክውዕል ዝኽእል ብብዙሕ ቶን ዝግመት ቀረብ ከምዘሎን፡ ሰብኣዊ ትካላት ግን ናብቲ መኽዘናት ከይበጽሑን ነቲ ሓገዝ ከይብጽሕዎን ተዓጊቶም ከምዘለዉ የመላኽት።
እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፣ “መንግስቲ እስራኤል ኣብ ትሕቲ ፍጹም ከበባኡ ዘካይዶ ዘሎ ገደባትን ምድንጓያትን ምብትታንን ህውከትን ጥምየትን ሞትን ፈጢሩ ኣሎ” እንክብል፣ እዚ ግን “እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ሰብኣዊ ስርዓት ስለ ዝፈሸለ ዘይኮነስ፣ ኣብ ግብሪ ከይውዕል ስለ ዝተኸልከለ እዩ - ቢሉ - ዋላ’ኳ ካብ ሕብረት ኤውሮጳን እስራኤልን መብጽዓታት እንተተኣተወ፡ ኣብ ባይታ ሓቀይና ለውጢ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እዚ መብጽዓታት ባዶ ኰይኑ እዩ ዝተርፍ . . . እተን ሰብኣዊ ትካላት፡ ቅልጡፍን ቀዋምን ተኹሲ ደው ምባል ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪበን፣ “ወሳኒ ስጉምቲ እንወስደሉ እዋኑ እዩ፣ ምልዓል ገደባት፣ ምኽፋት መተሓላልፎ፤ ከምኡ’ውን ንኹሉ ኣብ ቓዛ ዘሎ ሰብ ተበጻሕነት ምርግጋጽ የድሊ እንክብላ ጻውዒት ከም ዘቕረባ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ ብፍላይ እቲ መግለጺ “ብወተሃደራዊ ቁጽጽር ዝምራሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ምክፍፋል ቅድታት” ምንጻግን፣ “ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ብው. ሕ. ሃ. ዝምራሕ ግብረ - ሰናይ መልሲ ምሃብ ናብ ዝብል ኣካይዳ ምምላስን፣ ነተን "ዘይውግና መሰረታዊ ስርዓታት ዘለወን ሰብኣዊ ማሕበራት" ወፈያ ክህሉ ዝሓትት እውን ምዃኑ ከም እተሰመረሉን፣ ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ከበባ ንምቁራጽ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወሰድ፣ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ እዚ ድማ ምትሕልላፍ ኣጽዋርን ተተኮስትን ደው ምባል ሓዊሱ ዝጽውዕ ኮይኑ፣ እተን ትካላት ዋላ ሓደ ኸይተረፈ ህይወት ከድሕና ይኽእላ ኢየን ክድሕና እውን ኣለወን" ብምባል እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ይዛዝማ።