ዮርዳኖስ፡ ኣብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ሓያል ተመክሮ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተገብረ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃብን ኣብ ኢዮሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ቅድስቲ መሬት ዝግበር ንግደት ዳግማይ ክጅመር ጻውዒት የቕርቡ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒዛባላ፣ ዝግበር ንግደት “ፍጹም ውሑስ” ምዃኑ ክሕብሩ እንከለዉ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት ናይ ቅድስቲ መንበር ቅዱሳት ስፍራን ንብረትን ዓቃቢ ሓው ፍራንቸስኮ ፓተን ድማ፣ ሰባት “ከም ነጋድያን ናብ ቅድስቲ መሬት ክኸዱ፡ ናብ ሱር እምነትና ክንምለስ” ከምኡ’ውን “ምስታ ውሑድ ማሕበረብ ክርስቲያን ዝርከባ ቅድስቲ መሬት ቅርበት ክምስክሩ” የተባብዑ።
ዮርዳኖስ፡ ክርስትና ዝጀመረሉ ቦታ
ሚኒስተሪ መስህብን ጥንታዊ ቅርስታትን ዮርዳኖስ ሊና ኣናብ ነዚ ናብ ቅድስቲ ምድሪ ዝግበር ንግደት ዳግም ንምትብባዕ ዝቐርብ ዘሎ ዕድመ፣ ምስ ቫቲካን ኒውስ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፡ ደጊማ ተረጋግጽ። ዮርዳኖስ “ህላወ ክርስትና ዝጀመረላ፡ ክርስትና ዝምልከታ” ብምዃና፡ ናብ ዮርዳኖስን ቅድስቲ መሬትን ዝግበር ንግደት ዘለዎ ኣገዳስነት ተዘኻኽር።
ኣብ 2024 ዓ.ም. ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተኻየደ ኲናት ሓዊሱ፡ ኣብቲ ዞባ ብዝተፈጸሙ ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ ቁጽሪ ነጋድያን ዳርጋ ብ4% ከም ዝነከየ ሓቢራ፣ ክርስትያናዊ ህላወ ኣካል መንነትና እዩ” ቢላ፣
ኣስታት 30% ካብ ህዝቢ ዓለም ክርስትያን ምዃኑ እዩ ዝንገር። እዚ ክርስቲያን ዝኾነ ኣካል ማሕበርሰብ ዓለም ምስ ዮርዳኖስ ታሪኻዊ ርክብ ኣለዎ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥራይ፡ ዕለት 31 ጥሪ፡ “ዮርዳኖስ፡ ወጋሕታ ክርስትና” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሰነየ ምርኢት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም ዝቐረበ እውን ብምዝኽካር፣ “ታሪኽን ቅርስታትን ሃብታም ትውፊትን ክርስትና ዮርዳኖስ ብመገዲ ምርኢት ምቕራብ፣ ብፍላይ ነቶም ናብቲ ዞባ ክገሹ ዘይከኣሉ በጻሕቲ፣ ናይቲ ዞባ ኣገደስቲ ቅዱሳት ቦታታት ከስተውዕሉ ዕድል ዝህብ እዩ።
ምጅማር ዓመት ኦዮቤል ተስፋን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹስን ናብ ዮርዳኖስ ዝግበር መገሻታትን ንግደትን ዳግም ክጅመር፣ ዝያዳ ሰባት ናብታ ሃገር ክበጽሑን ዘተባብዕ ከም ዝኸውን ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ፣ ናብ ዮርዳኖስን ኣብኡ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ቅዱሳት ቦታታትን ምብጻሕ “ሰባት መጺኦም ነዞም ቦታታት እዚኣቶም ክበጽሑን እንከለዉ መንፈሳውነትን ህድኣትን ስምዒት ሰላምን ክስምዖም ዝገበር ሓያል ተመክሮ ክህልዎም እየ” ትብል።
ዮርዳኖስ፡ ናይ ታሕጓስ ቦታ
ሓደ ካብዞም ቅዱሳት ቦታታት ኣብ ቢታንያ ስግር ዮርዳኖስ ዝርከብ ምጥማቕ እዩ። ኣብቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጠመቐሉ ስፍራ ዝተሓንጸ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ምጥማቕ ተባሪኹን ስርዓተ ንግስ ከም እተፈጸመ ክዝከር እንከሎ፡ ንዓመተ ኢዮቤል ዝኸውን ናይ ንግደት ቦታ ተባሂሉ እውን ከም እተሰመየ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣመሓዳሪ ናይቲ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ቅዱስ ስፍራ ሩስቶም ምክጅያን፡ እቲ ቅዱስ ስፍራ ኪኖ ሃይማኖታዊ ቦታ ምዃኑ ሓቢሩ፡ “ሰባት ብኸመይ ብፍቕርን ብሰላምን ክነብሩ ከም ዝኽእሉ ንመላእ ዓለም ኣብነት እዩ፣” ካብ ዝተፈላለየ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ ሰባት ዝተኣከቡሉ ኤቁመናዊ ቦታ እንክብል ድማ ይገልጾ።
ካብ ዕለት 1 - 7 ለካቲት ዓለም ሓቆፍ ቅነ ስኒት ዝዝከረሉ ሰሙን፣ ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ዳግማዊ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2010 ዓ.ም. ካብ ዘቕረብዎ ሓሳብ ዝተበገሰ እውን ምዃኑ ምክጂያን ብምዝኽካር እቲ ኢየሱስ ዝተጠመቐሉ ስፍራ፥ ናይ ዘተን ሓድነትን ቦታ ኮይኑ ከምዘገልግል የስተብህሉ።