ድለ

SOUTH AFRICA ZIMBABWE PROTEST SOUTH AFRICA ZIMBABWE PROTEST  (ANSA)

ኣብ ዚምባብወ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ተሰሪዙ፦ ብዛዕባ ህይወት ደቂ ሰብ ኣምላኽ ክውስን ንሕደገሉ

ሃገረ ዚምባብወ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እትስርዝ ዘላ መበል 30 ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ። ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዚምባብወ ክቡር ኣባ ትሪቪስ ሞዮ፣ ኣብታ ሃገር ናይ እተበጽሐ "ብዛዕባ ፍትሒ ዝምልከት ርድኢት" ለውጢ ከም እተገብረን፣ ኣብዚ ውሳነ እዚ ንኽበጽሕ ከም ዝሓገዘን ገሊጾም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ዚምባብወ ናይ ሞእት ፍርዲ ከም ዝሰረዘት

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዓመተ 2005 ኣብ ዚምባብወ ሓደ ሰብኣይ ናይ ሞት ፍርዲ ስለ እተወሰነሉ ብሞት ሓለፈ። ሞት ስለ እተፈርዶ ድማ በቲ ዝፈጸሞ ገበን ተሰቂሉ ሞተ ።

ድሕሪ 20 ዓመት እዚ ፍጻሜ እዚ ስለዘሕፍር ዘሎ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ሃገር ናይ መወደእታ ብናይ ሞት ፍርዲ ዝሓልፈ ክኸውን ኢዩ። ብዕለት 31 ታሕሳስ 2024 ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ኢመርሰን ማናንጋግዋ ነቲ ሃገሩ መበል 30 ኣፍሪቃዊ ሃገር ሞት ንፍርዲ ሞት እትስርዝ ዝገብራ ሕጊ ከቲሙ ኣሎ።

ናብ ምስራዝ ዝመርሐ ነዊሕ መገዲ

ሃገረ ዚምባብወ ብ1980 ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናጽነታ ኻብ እትረክብ ኣትሒዛ፣ እንተ ወሓደ 79 ሰባት ብናይ ንመቕጻዕቲ ሞት ፈሪዳ ኢያ። ቅድሚ እዚ ሓድሽ ሕጊ እዚ ግን እታ ሃገር ካብ ናይ ሞት ፍርዲ ንዕስራ ዓመታት ናጻ ነበረት፣ ዋና ጸሓፊ ናይ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዚምባብወ ክቡር ኣባ ትሪቪስ ሞዮ ድማ እዚ ብሰንኪ ርድኢት ማሕበረ-ሰብኣዊ  ለውጢ ዝተበጽሀ ምዃኑ ይገልጹ።

"ነቲ ብዛዕባ ፍትሒ ዘሎ ርድኢት ኣብ ግምት ብምእታው ለውጢ" ከም እተገብረ ውን ገለጹ። ኣብዚ እዋን እቲ ሩዋንዳን ሰራ ልዮንን ዛምብያን ዚርከብወን እንተ ወሓደ ኣስታት 15 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሰሪዘንኦ ኣለዋ።

ሃገረ ዚምባብወ ድማ በብቝሩብ ምስ ጐረባብታ ኽትሓብር ጀመረት። ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድማ ብጣዕሚ ድሩት እዩ ዝነበረ። ንኣብነት ብ2013 እቲ ሓድሽ ቅዋም እታ ሃገር ንደቂ ኣንስትዮን ንዝዀነ ይኹን ትሕቲ 21ን ንልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብን ብናይ ሞት ፍዲ ክመ ዘይቅጻዕ ገብረት።

እንተዀነ ግን እታ ሃገር ብወግዒ ነዚ ናይ ሞት ፍርዲ ከም እትስረዝ ዝገበራ ብዙሕ ረቛሒታት ኢዩ ዝነበረ።

ኣረኣእያ ምቕያር

ክቡር ኣባ ሞዮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ገለ ኻብቲ ረቛሒታት ዚምባብወ እቲ ኣብ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽታም ዝወሰደቶ ውሳኔን ከምኡ ውን ኣብ መንግስቲ እተገብረ ለውጥታትን ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣመልከቱ ። ኣብ ዓመተ 2017 እቲ ናይ ሽዑ ርእሰ ብሔር ነበር ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኑ ምስ ወረደ፣ እቲ ብ1960ታት ኣብ እስርቤት ዝነበረን ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ተዋሂብዎ ዝነበረ ኢመርሰን ማናንጋግዋ ድማ ስልጣን ሓዘ።

ርእሰ ብሔር ኤመርሶን ማናንጋግዋ ድሕሪ ኣብ ምርጫ ምዕዋቱ
ርእሰ ብሔር ኤመርሶን ማናንጋግዋ ድሕሪ ኣብ ምርጫ ምዕዋቱ

ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ዚምባብዎ ከም ዘመልከትዎ "ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሰባት ንቕድስና ህይወትን፣ ስርዓታት ፍትሕን ኣብ ዝሓሸ ርድኢት በጺሖም ኣለዉ" ብምባል ውን ኣጕልሑ። ክቡር ኣባ ሞዮ 85 ሚእታዊት ሕዝቢ እታ ሃገር ክርስትያን ከም ምዃና መጠን፣ ካብቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ሓሊፉ "ቅድስና ህይወት ክዕቀበሉ ዘለዎ" ካልእ ብዙሕ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዘሎ ዘእምን ርድኢት እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ገለጹ።

ብኣብነት ምምራሕ

ዚምባብወ ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝሰረዘት ናይ መጀመርታ ሃገር ኣፍሪቃ እኳ እንተ ዘይኰነት፣ ክቡር ኣባ ሞዮ ግና ከም ዝገለጽዎ፣ እዚ ውሳነ እዚ ኣብተን ነዚ ውሳነ እዚ ዝድግፋ ዝተረፋ ሃገራት ጽልዋ ኽህልዎ ምዃኑ ይምስክሩ።

"ሃገራትና ንሓድሕደን ናይ ምቕዳሕን ካብ ንሓድሕደን ናይ ምምሃርን ዝንባለ ኣለወን ምባል ቅኑዕ ኢዩ፣ ስለዚ ብኣብነት ዝመርሕ ዘሎ ኢዩ ዝመስለኒ" በሉ።

ነቲ ናይ ሞት ምስራዝ ዝብል ሕጊ ምፍራም፣ ህይወት ንምዕቃብ እተገብረ ስጕምቲ ስለ ዝዀነ፣ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣገዳሲ መግለጺ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። ኣብ ናይ ሞት ዝፈርዲ ውን ከይተረፈ ኣብ ንጹሓት ሰባት ዝፍጸም ጌጋታት ነይሮም እዮም" በሉ።

ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዚምባብወ ኣብ 2023
ደገፍቲ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዚምባብወ ኣብ 2023

ሓድሓደ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ እተወሰነ እዋን "ብስሑት ወገን ሕጊ ዘርከቡ" ሰባት ከም ሓደ መሳርሒ ይጥቀሙሉ ነይሮም ኢዮም።

መጻኢ ህይወት

ክቡር ኣባ ሞዮ ኣብ መግለጺኦም፣ ንቕድሚት ምስጓም ንመብዛሕትአን ሃገራት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምስራዝ ዘጋጥሞም ዝዓበየ ብድሆ "ብዛዕባ ፍትሒ ዘለወን ርድኢትን ከምኡ ውን ነቲ ኣራሚ ትካል ብኸመይ ከም ዝርእይዎን" ምዃኑ ገለጹ።

ኣናይ ሞት ፍርዲ ናይ ምእራም ተግባር የለን፣ ኣስዒቦም እዞም ዋና ጸሓፊኡ እንክገልጹ ድማ "ንዜጋታት ካልኣይ ዕድል ክወሃቦም" ኣለዎ በሉ። እንተዀነ ግን ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ናብ ናይ ተሃድሶ ምቕያር፣ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ሰብኣዊ ኽብርን ቅድስና ህይወትን ዝያዳ ትምህርቲ ዝሓዘ ኢዩ ።

ክቡር ኣባ ሞዮ ኣብ መደምደምታ ንሰባት ብዛዕባ እዚ ባእታታት እዚ ምምሃር "ፍትሒ ብዙሕ መዳያት ከም ዘለዎ ንኽርድኡ" ክሕግዞም ከም ዝኽእል ውን ኣመልከቱ። ስርዓት ፍትሒ ኣብ ምሕዳስ ሰባት ዘተኰረ ኪኸውን ኣለዎ፣ ድሕሪኡ ኸኣ "ብዛዕባ ህይወት ደቂ ሰብ ኣምላኽ ባዕሉ ክውስን" ክገድፉሉ ከም ዘለዎም ውን ብምግላጽ ዛዘሙ።

23 January 2025, 12:53