ድለ

ጳጳሳት ኣሜሪካ  ኩባ ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ ሽበራ ሃገራት ስማ ምስራዙ ይንእዱ ጳጳሳት ኣሜሪካ ኩባ ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ ሽበራ ሃገራት ስማ ምስራዙ ይንእዱ  (AFP or licensors)

ጳጳሳት ኣሜሪካ ኩባ ካብ ዝርዝር መወልቲ ግብረ ሽበራ ሃገራት ስማ ምስራዙ ይንእዱ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሽማግለ ጉዳያት ፍትሕን ሰላም ኣቦ መንበር ምምሕዳር ባይደን ንኩባ ካብተን ብኣመሪካ መወልቲ ግብረሽበራ ተባሂለን ዝግለጻ ሃገራት ዝርዝር ስማ ክስርዞ ዝወሰዶ ውሳነ ይንእዱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCCB) ሽማግለ ኣህጉራዊ ፍትሕን ሰላምን ኣቦ መንበር ጳጳስ ኤልያስ ዛይዳን ምምሕዳር ባይደን ንኩባ ካብ ዝርዝር መንግስታዊ መወልቲ ግብረሽበራ ሰነድ ስማ ንኽስረዝ ዝወሰዶ ውሳነ ከም ዝነኣዱን፡ እዚ ውሳነ እዚ ምምሕዳር ባይደን ዕለት 14 ጥሪ ንናይ ሃገሩ ህዝባዊ ባይቶ መረጋገጺ ከም ዝሃበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ጳጳስ ዛይዳን ንዋና ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነዚ ስጉምቲ ክወስዱ፣ ከምኡ’ውን “ንሰናይ ህዝቢ ኩባ ሃገርና ዘለዋ ዝምድና ዝለዓለ ደረጃ ከበጽሕ” ተማሕጺኖም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ድሕሪ’ቲ ናይ ሰሉስ ውሳኔ ስዒቡ ኣቡነ ዛይዳን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ኩባን ምስ ዝበዝሐ ማሕበረሰብ ዓለምን ብምትሕብባር፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኩባን ምትሕብባርን ንኽልቲኡ ህዝብታት ዝጠቅም ዝምድናን ክህሉ ተማሕጺኖም ከም ዝነበሩን፡ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴታዊት ሃገር ዝነበረ ቁጠባዊ እገዳ ምሉእ ብምሉእ ክለዓል እውን ሓቲቱ ከም ዝነበረ ገሊጾም፡ . . . “እዚ ናይ ሕግታት ለውጢ ንክልተኣዊ ዝምድና ሃገርናን ኩባን ከሐድስ፣ ከምኡ’ውን ክልቲአን ኣመሪካን ኩባን ንዝለዓለ ደረጃ ምትሕብባር ክድህስሳ ዝድርኽ፣ ክልተኣዊ ንግድን ዝያዳ ተበጻሕነት መገሻ ህዝብታት ክልትኤን ሃገራት ዝድግፍ እውን ምዃኑ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

 ኩባ እሱራት ምፍታሕ ጀሚራ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ከምኡ’ውን ርእሰ ብሔር ባይደን ንኩባ ካብ ዝርዝር መንግስታዊ መወልቲ ግብረሽበራ ሰነድ ስማ ንምስራዝ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ፡ መንግስቲ ኩባ "ብመንፈስ እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝኣውጅዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ብእተፈላለየ ገበናት እተፈርዱ 553 እሱራት ክፈትሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ርእሰ ብሔር ኩባ ዲያዝ - ካነል ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2022 ዓ.ም. ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ ጸገም እሱራትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኩባ እትኽተሎ ሕግን ዝምልከቱ ኣርእስታት ኣማእኪሎም ተመያይጦም ከም ዝነበሩ፡ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኩባ ዝወጸ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ሰበስልጣን ሃቫና ነዚ ውሳነ ብቐጥታ ምስ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ኣረጋጊጾም፡ ምስ ዝኣወጅዎ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 202 ዓ.ም. ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ከም ዘብርሁን ኩባ ካብቶም ቀንዲ መራሕቲ ተቓወምቲ መንግስቲ ተባሂሉሎም ካብ ዝግለጹ ኾሴ ዳኒኤል ፈረር ጋርስያ ዝርከብዎ ድሮ ዓሰርተታት እሱራት ከም ዝፈተሐትን፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን ሰሙናትን ተወሳኺ እሱራት ክፍትሑ ትጽቢት ይግበር ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

18 January 2025, 17:08