ሶርያ፡ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ ሶርያ፡ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ  (ANSA)

ሶርያ፡ ዝተቐብሩ ነተጒቲ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ

ትካል ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዩኒሴፍ ኣብ ሶርያ እቲ ንህጻናት ዝዓበየ ሓደጋ ዘስዕብ ዘሎ ዝተቐብረ ነታጒ ምዃኑን እዚ ድማ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ሞትን ማህሰይትን ህጻናት ኮይኑ ከምዘሎን የጠንቅቕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ትካል ሓልዮ ህጻናት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ሪካርዶ ፒረስ ዕለት 14 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ “ዘይተፈንጀሩ ነተጒቲ ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ሶርያ ቀንዲ ጠንቂ ሞትን ማህሰይትን ህጻናት” ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ፥ ብምኽንያት ነታጒ ዝሞቱን ዝተጎድኡን፡ "ነቲ ቀታሊ ተረፍ መረፍ ኲናት ንምእላይን ማሕበረሰብ ዓለም ነታ ሃገር መሊሱ ውሑስ ንምግባርን ዝያዳ ሰብኣዊ ጻዕርታት ምውጋድ ነተጉቲ ከተባብዕ" ከምኡ'ውን "ህጻናትን መንሰያትን ዘይተፈንጀረ ነታጒ ናይ ምልላይ ዓቕሚ ክህልዎምን ካብኡ ክርሕቝን መታን" ንሓደጋ ነተጉቲ ዝምልከት ትምህርቲ ክረኽቡ ኣለዎም” ብተወሳኺ፡ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ "ክብረቶም ዳግማይ ንኽረኽቡን ህይወቶም ዳግማይ ንኽሃንጹን፡” ሕክምናውን ስነ - ኣእምሮኣውን ክንክንን ግቡእ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ናይ ምርካብ መሰሎም ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መዓልቲ ብዘይተፈጀሩ ነተጒቲ ኣርባዕተ ህጻናት ይጉድኡ ወይ ይሞቱ

ፒረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ፥ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሓልዮ ህጻናት 116 ህጻናት ብዘይተፈጀሩ ነተጒቲ ከም ዝሞቱ ወይ ከም ዝተሃሰዩ ዝሕብር ዝሃቦ ጸብጻባት ኣዘኻኺሩ፡  እዚ ድማ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ኣርባዕተ ህጻናት ዝምልከት እዩ። እዚ ኣሃዝ ኣብ ባይታ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ዘነጽር እዩ” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ምምዝባል

ኣብ ሶርያ ዝረኣ ዘሎ ምምዝባል ነቲ ሓደጋ ከመይ ከም ዘግደዶ እንክሕብር፥ "ካብ ዕለት 27 ሕዳር ጀሚሩ፡ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ህጻናት ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ከም እተገደዱን ነዞም ህጻናት፡ ከምኡ'ውን ነቶም ናብቲ መበቆላዊ ከባቢኦም ክምለሱ ዝፍትኑ፡ በቲ ዝተቐብረን ኣብ ፈቕዶ ፋሕ ዝበለን ዘይተፈጀረ ነታጒ ሓደጋ ምዃኑ ኣነጺሩ፥

"ብዛዕባ ጻዕርታት ዳግመ ህንጸት ሶሪያ ኣብ ዝዝተየሉ ዘሎ እዋን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ሶርያ ንህጻናት ሓድሽ መንገዲ ክትጸርግ ኣብ ዝሕገዘሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ መሬት ውሑስን ካብ ነታጒ ናጻን ምዃኑ ንምርግጋጽ ቅልጡፍ ወፍሪ ክካየድ ኣገዳሲ እዩ" እንክብል ጻውዒት ኣቝሪቡ፥ ኣብ መላእ ሶርያ ዝርከቡ ማሕበረሰባት ብቀተልቲ ኣጽዋር ተረፍ ኲናት" ዝተዓብለሉ ኮይኖም፡ ብገምጋም 324 ሽሕ ዘይተፈንጀረ ነታጒ ሓዊሱ፡ ኣብታ ሃገር ቀንዲ ጠንቂ ሞትን ማህሰይትን ህጻናት ኮይኖም ኣለዉ” ይብል።

ዘይርአ ግን ከኣ ቀታሊ ሓደጋ ክውን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገርት ትካል ሓልዮ ህጻናት በዓል መዚ፡ ኣስታት 5 ሚልዮን ህጻናት ገና ብዝተቐብሩ ነተጒትን ዝተበከለን ከባቢታት ይነብሩ ከምዘለዉ ገሊጹ፥ እዚ ስግኣት እዚ ገና ክውን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ እንክብል ኣስተብሂሉ፥ እቶም በቲ ነተጒቲ ምኽንያት ማህሰይቲ ዘጓንፎም ሕጻናት መብዛሕትኡ ግዜ ህይወቶም ዝቕይር ነባሪ መጉዳእትን ስንክልናን ከም ዘስዕበሎምን፡ እዚ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ንኸይምለሱ ወይ ግቡእ ክንክን ጥዕና ንኸይረኽቡ ዝዓግቶም ምዃኑ ደጊሙ ብምግላጽ፡ ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተነጽሎን ድሩት ዕድላትን ከጋጥሞም ከም ዝገብር ሓቢሩ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

17 January 2025, 15:06