ዶሃ፥ ዝተ ኣብ ጉዳይ ቓዛ ዶሃ፥ ዝተ ኣብ ጉዳይ ቓዛ 

ዶሃ፥ ዝተ ኣብ ጉዳይ ቓዛ

መራሔ መንግስቲ እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ልኡኽ እስራኤል ኣብ ቀጠር ኣብ ዝካየድ ዘተ ክሳተፍ ዝብል ውሳኔ ከም ዘጽደቐ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኤኤፍፒ እተሰንተ ማዕከን ዜና፥ እቲ ዘተ ብዛዕባ ምፍታሕ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ክሕብር እንከሎ፡ ሮይተርስ ኣገልግሎት ዜና ድማ እቲ ዘተ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ዝመያየጥ ምዃኑ የመልክት።

እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ኣብ ስምምዕ ንብጻሕ ክግበር ዝግብኦ ዘተ ይደናጉይ ብዝብል ክሲ ነንሕድሕደን ይካስሱ ከም ዘለዉ ክንገር እንከሎ እቲ ወከልቲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ጸጥታ እስራኤል ዝሓቖፈ ልኡኽ እስራኤል ዝርከቦ ናይ ዘተ መድረኽ ቀጥታዊ ዘይኮነስ፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ቀጠር፡ ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ከም መንጎይናታት ኮይነን ዝርከባሉ ዘይቀጥታዊ ዘተ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሉ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብዝሒ ህዝቢ ውሽመጥ ቓዛ ብኣስታት 6 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ጭብጥታት ብኣሃዝ ዘቕርብ ቤት ጽሕፈት ፍልስጤም (PCBS) ይሕብር።

ኣስታት 100 ሽሕ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ክወጹ እንከለዉ፡ ልዕሊ 55 ሽሕ ድማ ከምዝሞቱ ይግመት።

እዚ ማለት ኣብቲ ዳርጋ 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት፡ ብዝሒ ህዝቢ ቓዛ ናብ ከባቢ 2.1 ሚልዮን ከም ዝነከዩ እዩ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ነቲ ብፍልስጥኤም ዝተዋህበ ኣሃዛዊ መረዳእታ ‘ንእስራኤል ንምጽላም ኮነ ተባሂሉ ዝተመሃዘ ዝተጋነነ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ እዩ እንክብል ይነጽጎ።

ኣብ ካልእ ዞባዊ ምዕባለታት፡ እውን ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣባላት ሓድሽ ስርዓት ሶርያ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ዑደቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምእታዊ ከም ዝጀመሩ ክሕበር እንከሎ እቲ ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን ሓላፊ ስለያን ዝሓቖፈ ምዃኑ ሳና እተሰምየ ወግዓዊ ማዕከን ሓበሬታ ስዑዲ ዓረብ የመላኽት፡

ብመሰረት ትዕዝብቲ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ፡ ኣብ ሶርያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ ብውሕዱ 528,500 ሰባት እተቐትሉን እዚ ኣሃዝ እዚ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝተቐትሉ ሰባት ዘጠቓልል እውን ምዃኑ መግለጺ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ይሕብር።

04 January 2025, 16:42