ኣብ ማከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ማከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ   (ANSA)

ኣብ ማከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተይናታት ዘጋጠመ ሓደጋ

ኣብ ከባቢ ላምፐዱዛ ካብ ዞባታት መዲትራንን ዝነቐለት ንሽተይ ጀልባ ብዘጋጠማ ናይ ምግልጣን ሓደጋ ምኽንያት ልዕሊ 20 ስደተኛታት ደሃዮም ከምዝጠፈአ ክሕበር እንከሎ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው ስደት ዘጉልሕ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠሞም ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ናይ ዝሓለፈ ህይወት ታሪኽ ዘቃልሕ ነቲ ስደተይናታት ዘጋጥሞም ዘሎ ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘዘኻኽረናን ዘሕዝን ፍጻመ ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ሕጂ እውን ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዘረጋግጽ።

ዓለም መወዳእታ ዓመትን መጀመርታ ሓዳስ ዓመትን ኣብ ዘብዓለትሉ እዋንና ኣብዚ ሃዋሁ በዓላት ኣብ እትነብረሉ ዘላ እዋን ገለ ስደተይናታት ዘሳፈረት ናብ ኢጣሊያ ዘቕነዓት ንእሽቶ ጃልባ ኣብ ገማግም ላምፐዱሳ ከም ዝጠሓለትን ኣስታት 20 ዝዀኑ ሰባት ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን ናይቲ ከባቢ ሓለዋ ዶባት ማያት ባሕሪ ኢጣሊያ እታ ጀልባ ናብ ላምፔዱዛ ገማግም ባሕሪ ኢጣሊያ ኣናተጓዕዘት እንኮላ ከም እተግልበጠት እንከመላኽት፥ ካብቲ ሓደጋ ሓደ ወዲ ሸሞንተ ዓመትን ኣዲኡን ዝርከብዎም ብጠቕላላ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝደሓኑን እዚ ሓደጋ እዚ ካብቲ በይና ጓል 11 ዓመት ዝዕድሚኣ ብህይወት ዝተረኽበትሉ ኣብ ጥቓ ደሴት ሲቺሊያ ዘጋጠመ ሓደጋ ሒደት ሰሙናት ስዒቡ ዘጋጠመ ምዃኑ ይንገር።

2024 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘስካሕክሕ ዓመት

2024 ዓ.ም. ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘይተኣደነ ህይወት ዝጠፍኣሉ ዓመት ምዃኑ ክሕበር እንከሎ። ጉዳይ ህጻናት ዝከታተል ኣህጉራዊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፥ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ኣብ ዝግበር ፈተነ፡ ብጠቕላላ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይተረኽበን ልዕሊ 2200 ከም ዝኾኑን ኣብ መስመር ማእከላይ ባሕሪ ጥራሕ ከኣ ኣስታት 1700 ሰባት ከም ዝሞቱ ይሕብር።

ነዚ ሓደገይና ጉዕዞ ካብ ዝገብሩ ሓሙሽተ ስደተይናታት ሓደ ትሕቲ ዕድመ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብኣቶም ካብ ዓመጽን ድኽነትን ዘይምርግጋእን ሃገሮም ዝሃድሙ ምዃኖም እዩ ዝንገር፡ ኣማኢት ካብዞም ግዳያት ህጻናት ኮይኖም፡ ድሕነትን ዝሓሸ መጻእን ዘናድዩ ናይ ህይወት ዕድል ዝተመንዝዑ ኮይኖም ሓደ ወላዲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገይና ጉዕዞ ክገብር ምምራጹ፡ ኣብተን ዝሃድመለን ሃገራት ዘሎ ኩነታቱ ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ። ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ናይ ሞት መስመር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ካብ 2014 ዓ.ም. ጀሚሩ ልዕሊ 28 ሽሕ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓሉን ወይ ሃለዋቶም ከም ዘይተረኽበን” ጉዳይ ስደትን ስደተይናታትን ዝከታተል ህጉራዊ ውድብ (IOM) ካብ ዝሃቦ መረዳእታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ቀጻሊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ጻውዒት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ መጀመርታ ሕርየቶም ኣትሒዞም ንመሰላት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ደኺመ ከይበሉ ዝጣበቑ ከም ዝኾኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንዅነታት እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ ሰባት ዘተኩሩን ብፍላይ ኣብ ወርሒ መስከረም 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት ኣብ እተዘከረሉ ዕለት ፍርቂ መዓልት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዝተረኽቡ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ እቶም  ኣብ ማያት ባሕሪ ዝሞቱ ማእለያ ዘይብሎም ስደተይናታት ዘሕድረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ እዚ ሞት እዚ ንቡር ኪኸውን የብሉን ቢሎም መንግስታትን ኣህጉራውያን ትካላትን ንመሰረታዊ ጠንቅታት ስደት ንምፍታሕን ነቶም ካብ ጸገም ዝሃድሙ ውሑስን ሕጋውን ናይ መሰጋገሪ መንገዲ ንምርግጋጽን ብሓባር ክሰርሑ ተላብዮም፣ ነቶም ዕቝባ ዝደልዩ እሞ ናብ ዝመጹለን ሃገራት ክስጎጉ ምግባር "ከቢድ ሓጢኣት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዛዕባ ጉዳይ ሕጻናት ዝከታተል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ብመንጽር እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ መዓት፡ ብዛዕባ ጉዳይ ህጻናት ዝከታተል ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ መንግስታት ንሃለዋት ስደተይናታት ህጻናት ቀዳምነት ክህቡሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት፥ ብፍላይ

ድሕሪ እቲ ዕለት 31 ታሕሳስ ዘጋጠመ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ኣብ ግምት ብምእታው ናይቲ ትካል ሓላፊት ዞባ ኤውሮጳን ማእከላይ እስያን ረጂኒ ደ ዶሚኒቺስ ንጻውዒት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምድጋፍ ዝተዋደደ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣመላኺታ ጻውዒት ቅዱስነቶም ከም ዘቃለሐት ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"መንግስታት ውዕል ስደትን ዑቕባን ኣብ ምክልኻል ህጻናት ትኹረት ብምግባር ከተግብርዎን እዚ ድማ ውሑስን ሕጋውን መሰጋገሪ መንገድታት ምድላይን ምድሓንን፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ዑቕባ ምርካብ ዘጠቓልል እዩ። መንግስታት ሱር ጠንቂ ስደት ኣብ ምፍታሕ ክዓዩን . . . ስደተይናታት  ኣብ ኣአንገድቲ ማሕበረሰባት ውህደት ምድጋፍ” ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበለትን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዩኒሴፍ - ብዛዕባ ናይ ሕጻናት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ኣብ ኣገደስቲ ኣገልግሎታት ስደተይናታት ህጻናትን ስድራቤታቶምን ብፍላይ ኣብ ስነ - ኣእምሮኣዊ ማሕበራዊ ደገፍ፡ ክንክን ጥዕና፡ ሕጋዊ ሓገዝን ትምህርትን ወፍሪ ክግበር ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኣብ ማእከል መዓት - ተስፋ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዩኒሴፍ - ብዛዕባ ናይ ሕጽናት ጉዳይ ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ምስ ካልኦት ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ማሕበራት ሰብኣዊ መሰላት ብምዃን ነቲ እናሰፈሐ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይምግዳስ ባህሊ ንምምካትን ነዚ ነዊሕ ዝጸንሕ ጸገም ፍታሕ ንምንዳይን ዘቕረብዎ ጻውዒት ኩሉ ሰብ ብርህራሄን ብሓልዮትን ተቐባልነት ክረክብን ብሰላም ክነብርን ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

03 January 2025, 15:14